ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻንስለር ጀርመን ኣብ ዋዕላ 'ውዕል ምስ ኣፍሪቃ' ንዝሳተፉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም


ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ሓገራት ጉጅለ 20 ኣብ በርሊን ጀርመን
ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ሓገራት ጉጅለ 20 ኣብ በርሊን ጀርመን

መራሒ ጀርመን ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝ ቅድሚ እቲ ሎሚ ሰኑይ 20 ሕዳር 2023 ዝጅምር "ውዕል ምስ ኣፍሪቃ’’ ብዝብል ቴማ ምስ ሃገራት ጉጅለ 20 ንዝሳተፉ መራሕቲ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም።

ሾልዝ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ፣ፕረዚደንት ኣይቮሪኮስት ኣላሳን ዋታራ፣ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ሞሮኮ ዓዚዝ ኣኻናውችን ፕረዚደንት ዛምብያ ሃካይንደ ሂቺለማን ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም።

"ውዕል ምስ ኣፍሪቃ’’ ዝብል ቴማ ዝጀመረ ፕሮጀክት ጀርመን ኣብ 2017 ፕረዚደንት ሃገራት ጉጅለ 20 ኣብ ዝነብረትሉ እዋን ምጅማሩ ይዝከር።

ዕላማ'ቲ ፕሮጀክት ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ቀፃልነት ናይ ውልቂ ወፍሪን ወፍሪ ኣብ ትሕተ ቅርጺን ንምሕያል ምዃኑ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ቀዳማይ ሚንስተር ሆላንድ ማርክ ሩተ፣ ፕረዚደንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ አርሰላ ቮን ደር ሊይን ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ኣውሮጳ ቻርለስ ሚሸልን መራሕቲ ካልኦት ሃገራትን 13 ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብቲ ዋዕላ ንምስታፍ በርሊን ምእታዎም ተፈሊጡ'ሎ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ናይ ኣፍሪቃን ሕብረት ኣውሮጳን ሓምላይ ተበግሶ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ንወፍሪን ናይ ውልቂ ተሳትፎን ዝውዕል ኣርባዕተ ቢሊዮን ዩሮ ድልዊ ከምዝኸውን ኦላፍ ሾልዝ ሎሚ ሶኑይ ኣፍሊጦም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG