ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሃገረ ጆርጅያ ንውጽኢት ፓርላመንታዊ ምርጫ ኣፍልጦ ከምዘይትህብ ሓቢራ


ፕረዚደንት ሃገረ ጆርጅያ ሳሎሜ ዞውራቢቺቪል
ፕረዚደንት ሃገረ ጆርጅያ ሳሎሜ ዞውራቢቺቪል

ፕረዚደንት ሃገረ ጆርጅያ ንውጽኢት ፓርላመንታዊ ምርጫ ኣፍልጦ ኣይህቦን ብምባል ተቓውሞ ፀዊዓ።

ፕረዚደንት ጆርጂያ ውፅኢት ኣብዚ ሰሙን ዝተኻየደን ሰበስልጣን ምርጫ ገዛኢ ፓርቲ ስዒሩ ንዝበሉዎን ፓርላመንታዊ ምርጫ ኣይቅበልን ምባላ ፀብፃብ ኣሶሼይትድ ፕረስ ገሊፁ። ፕረዚደንት ሳሎሜ ዞውራቢቺቪል እታ ሃገር ግዳይ ናይቲ ናብ ኣውሮጳ ዘቕንዐ ‘’ፍሉይ ስርሒት ሩሲያ’’ ኮይና ኣላ ኢላ።

ኣብ ጎኒ መራሕቲ ተቓወምቲ ጠጠው ኢላ ጆርጂያዊያን ትብሊሲ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ኣደባባይ ብምውፃእ ድምፆም ከስምዑ ፀዊዓ። ኣብታ ሃገር ተወሳኺ ፖለቲካዊ ወጥሪ ከይልዓል እውን ተሰጊኡ ኣሎ። ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ‘ጆርጂያን ድሪም’’ ዝተባህለ ገዛኢ ፓርቲ ዳርጋ 55 ሚእታዊት ድምፂ ረኺቡ ኣሎ ይብል። ኣውሮጳዊያን ተዓዘብቲ ምርጫ እቲ ምርጫ ምፍርራሕን ኣካላዊ መጥቓዕቲ ዝተርኣየሉን ኣብ ከፋፋሊ ሃዋህው ዝተኻየደ እዩ ኢሎም።

ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ፓርላመንታዊ ምርጫ ተኻይዱ ዝተባህለ ጥሕሰት ምርመራ ክካይድ ድሕሪ ምፅውዖም ሩሲያ ሎሚ ሶኑይ ናይ ወፃኢ ኣካላት ንጆርጂያ ክህውኹ ይፍትኑ ኣለው ክትብል ከሲሳ'ላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG