ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ: ዲሞክራቲክ ፓርቲ ንሰኔትን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ተቖፃፂሩዎ


ዲሞክራቲክ ፓርቲ ብቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ጆርጂያ ኣብ ዝተኻየደ ዳግማይ ምርጫ ንክልቲኡ መናብር ሰኔት ብምስዓር ድሕሪ ምዕዋቶም ንሰኔትን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ዩናይትድ ስቴትስ ተቖፃፂሮምዎ።

ናይ ጆርጂያ ክፍለ ግዝኣት መረፅቲ ዴሞክራት ንሰኔት ክቆፃፀሩዎ ድምፆም ሂቦምዎ ኣለው።

ሪፓብሊካዊት ኬሊ ሊዮፍለር ብረቨረንድ ራፊኤል ዋርኖክ ተሳዒረን ኣለዋ።ዋርኖክ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ጆርጂያ ፈላማይ ፀሊም ሰኔተር ኮይኖም ኣለው።

ዴሞክራት ጆን ኦሰፍ እውን ንሪፓብሊካዊ ሰኔተር ዴቪድ ፐርዱ ስዒሮምዎ ኣለው።

‘’ሕዚ ነዚ ቫይረስ እዚ ንምስዓር ንሕበር።ንህዝቢ ክፍለ ግዝኣትናን ንህዝቢ ኣሜሪካን ብቁጠባ ንምሕጋዝ ንመርሽ’’ ኢሎም።

ንዳግማይ ምርጫ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ተሳትፎ ዝተርኣየሉ ኮይኑ ፅኑዕ ትሕዝቶ ሪፓብሊካዊን ዝኾነት ክፍለ ግዝኣት ጆርጂያ ንምቕያር ዴሞክራት ንብዙሕ ዓመታት ፅዒሮም እዮም።

ፕሬዝዳንት ትራምፕ ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ድምፂ ተሰሪቑ ዝብል መሰረት ዘይብሉ ክሲ ምቕራቦም ሓደ ምኽኒያት ናይዚ ለውጢ ክኸውን ይኽእል እዩ።ፕሬዝዳንት ትራምፕ ትማሊ ከምዚ ኢሎም ነይሮም። ’’ስርቒ እንተድኣ ተሓዊስዎ ኣይክትቕበሎን ኢኻ’’ ኢሎም።

ናይ ትራምፕ ደጋፊ ዝኾነ ማርክ ሃይስ እቲ ምርጫ ኣዚዩ ኣገዳሲ ከምቲ ዴሞክራት ክኸውን ዝደልዩዎ ካልኦት ሰባት መፂኦም ነታ ሃገር ከመሓድሩዋ ብምግባር ነፃነትና ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢሉ።

ናይ ፕሬዝዳንት ትራምፕ ኣበሃህላ ሪፓብሊካዊያን ኣድመፅቲ ክንኪ ከምዝገበረ ተንተንቲ ይዛረቡ።ኣብ ኮሌጅ ጆርጂያ ፕሮፌሰር ሃንክ ኤድሞንድሰን እ ቶም ፕሬዝዳንት ተጭበርቢሩ እዩ ብዝብል ምድንጋር ፈጢሮም እዮም ይብሉ።

ሕዚ ተመራፂት ምኽትል ፕሬዝዳንት ካማላ ሃሪስ ቻክ ሹመር ላዕለዋይ መራሕቲ ሰኔት ኮይኖም ኣብዝመርሑዎ ሰኔት ዩናይትድ ስቴትስ ወሳኒ ድምፂ ክህልወን እዩ።

ቻክ ሹመር ኣሜሪካ መሊስና ክነቀሳቕሳ ኢና ኢሎም።

እዚ ፕሬዝዳንት ኮይኖም ንዝተመረፁ ጆ ባይደን ኣገዳሲ መቐይሮ ስልጣን እዩ።ኣብ ፈላማይ ክልተ ዓመት ኣጀንድኦም ብኮንግረስ ኣብ ምፅዳቕ ፅቡቕ ዕድል ክፈጥረሎም እዩ።

ፖለቲካዊ ተንታኒ ፍሬድ ሂክስ ከምዚ ኣብ ኮንግረስ እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ሰብ ላዕለዋይ መራሒ ሰኔት እዩ ይብል።’’ብዘይካ ላዕለዋይ መራሒ ሰኔት ዋላ ሓደ ነገር ንቕድሚት ክተሰጉም ኣይትኽእል ኢኻ።እዚ ኣብ ሚች ሚኮኔል ሪኢናዮ ኢና እዩ’’ ኢሉ ብምውሳኽ።

ተመራፃይ ፕሬዝዳንት ባይደን ብዓብላላይነት ቤት ምኽሪ ወከልትን ሰኔትን ተደጊፎም ስልጣኖም ክርከቡ እዮም።እዚ እቲ ፓርቲ ንክልቲኡ ኮንግረስ ክቆፃፀር ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ፈላማይ እዩ።

XS
SM
MD
LG