ስነ ስርዓት ቀብሪ መበገሲ ኣብ መላእ ኣሜሪካን ገራት ዓለምን ዝቕጽል ዘሎ ተቓውሞ ዝኾነ ኣብ ኢድ ፖሊስ ዝሞተ ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ስድራቤቱ፣ ፖለቲከኛታትን ፍሉጣት ሰባትን ኣብ ዝተረኸብሉ ትማሊ ሰሉስ ተፈፂሙ።
ኣብ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ከተማ ሁስተን ኣብ ዝርከብ ክርስትያን ትማሊ ሶሉስ ኣብ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት ቀብሪ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ሰባት ተረኺቦም። እቲ ስነስርዓት ብኩለን ቀንዲ ማዕኸናት ዜና ኣሜሪካ ዝተመሓላለፈ ኾይኑ ፕረዚደንታዊ ሕፁይ ዴሞክራት ፓርቲ ጆ ባይድን ብቪዲዮ ኣቢሎም ተሳቲፎም።
‘’እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ክንሓልፎ ኣይንኽእልን።ንመንፈስና ዝኹርክሕ ዓሌታዊነት ከምዘይርኣና መሊስና ክንሓልፎ ኣይንኽእልን" ኢሎም ።
መኮነናት ፖሊስ ሁስተን ንሬሳ ፍሎይድ ብናይ ክብሪ ሰላምታ ኣሰንዮሞ።
ምስ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ብዝተሓሓዝ ኣርባዕተ ፖሊስ ኣብ ሚኒያፖሊስ ተኸሲሶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከቡ ።
መራሒ ምንቅስቓስ ስቪል መሰላት ረቨረንድ ኣል ሻርፕተን ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ‘’እቲ ሕጊ ክሳብ ዝኽበርን ሰባት ክእሰሩ ምዃኖም ክሳብ ዝፈልጡን ከምዚ ዝበለ በደል ምፍፃሞም ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ዘለው ክፉኣት ስለዝከላኸሉሎም’’ ኢሎም።
ሓላፊ ፖሊስ ሁስተን ኣርት ኣክቨዶ ኣብዚ ከተማ ዓብይ ተስፋ ኣሎ፤እዚ ተስፋ እዚ ኣብ መላእ ሃገር ይቀፃፀል ኣሎ ኢሎም።
ሓው ንጆርጅ ፍሎይድ ፊሎኒስ ፍሎይድ ‘’ሓወይ፣ዓብይ ሓወይ ፍትሒ ክረክብ እደሊ።ኣብ ዙሪያ ዓለም ኩሉ ሰብ ንሓወይ ክዝክሮ’’ እዩ ኢሉ።
ብሰንኪ ሞት ጆርጅ ፍሎይ ዝተላዓለ ተቓውሞ ንሳልሳይ ሰሙኑ ኣብዝቐፀለሉ እዋን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ምክፍፋል ዘጋድድን ፖሊስ ንዝፍፅሞ ዓመፅ ክብሪ ዝህብን ዝመስል መልእኽቲ ብትዊተሮም ፅሒፎም ኣለው።
ኖርማን ኦንስተይን ካብ ኣሜሪካን ኢንተርፕራይስ ኢንስቲትዩት ኣብ ዝተብሃለ ውድብ ‘’እዚ ፕረዚደንት እዚ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዕግርግር ርእዩ ዝወረደ መቑሰልቲ ንምሕዋይ መንገድታት ዘናዲ ኣይኮነን፤ንነቐፍቱ ብምጥቓዕ ኣፈላላያት ዝፈጥርን ናይ ባዕሉ ፀቢብ ደጋፊ ዘሕጉስን እዩ’’ ኢሉ።
ኣብ ቀረባ ዝተኣከበ መዐቀኒ ሪርእይቶ ህዝቢ 76 ሚእታዊት ኣሜሪካዊያን 71 ሚእታዊት ፀዓዱ ሓዊሱ ዓሌታዊነትን ኣድልዎን ዓብይ ፀገም እዩ ኢሎምዎ ኣለው። ኣብ 2015 ኣብዝተኻየደ ተመሳሳሊ መፅናዕቲ 50 ሚእታዊት ነይሮም ፀገም ምኳኑ ዝገለፁ።
ባይደን ንዓመፅ ብምኹናን በጀት ፖሊስ ክቑረፅ ንዝቀረበ ፃውዒት እውን ነፂጎምዎ። ኣብ ፖሊስ ለውጢ ክግበር ትኹረት ከምዝህቡን ብስርዓት ዝፍፀም ዓሌታዊነት ንምቕያርን ግን ተመባጺዖም ኣለው።