ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሊብያን በረኻ ሲናን ኣብ ፀገም ንዘለው ዓለም-ለኸ ቆላሕታ ዝፀወዔ ሰልፍታት ኣብ ሮማን ጀኔቫን ተኻይዱ


ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ሰላማዊ መነባብሮ ናብ ዝረኽብሉ ንኽግዕዙ ክግበር ኣብ ኤውሮጳ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ሓቲቶም።

ትማሊ ኣብ ሮማ ጣልያን ሎሚ ኣብ ጀኔቫ ሲዊዘርላንድ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዱ'ሎ። ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝርከብ ቤት-ፅሕፈት ትካል ሕቡራት መንግስታት UNHCR በማእት ዝቁፀሩ ኤርትራውያን ኣብ መንጎ ጎንፂ ሊብያ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ዜጋታት ህፁፅ ረድኤት ክግበረሎም ሕቲቶም።

ትማሊ ኣብ ሮማ ጣልያን ኤጅንስያ ሓበሻ ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብ ዘዋደዶ ሰልፊ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ሶማልያውያንን ከምዝተኻፈሉ መስራቲ'ቲ ትካል ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ገሊፆም።

ብኻልእ ወገን ኸአ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሊብያ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ይንቀሳቀስ ከምዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ። ኣብ ሚኒስትሪ ወፃኢ ጉዳያት ኤርትራ ዳይሬክተር ዝኾኑ ኣቶ ፀሃየ ፋሲል ከምዝበልዎ ኣብ ሊብያ ዝርከቡን ብፍቃዶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ ኤርትራውያን ኣብኡ ብዘሎ ኤምባሲ ክምዝገቡ ከምዝኽእሉ ገሊፆም።

ኣብኡ ዘሎ ኩነታት ከም ልብኻ ዘገላብጥ ብዘይምኻኑ ዝጀመርናዮ ስራሕ ብዝተመቻቸአ ኩነታት ምክያድ አይከአልን ዝበሉ ኣቶ ፀሃየ ዝተወሰኑ ኤርትራውያን ክምዝገቡ ጀሚሮም'ለው ኢሎም። ግን ሰደተኛታት ምውፃእ ከምዘይተጀመረ ኣቶ ፅሃየ ፋሲል ዳይሬክተር ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኤርትራ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG