ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ትምህርቲ ስነ ተዋልዶ ክወሃብ'ዩ


ዶክተር ኣርኣያ ኣብርሃ
ዶክተር ኣርኣያ ኣብርሃ

ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ስነ ተዋልዶ ዘለዎም ፍልጠት ትሑት ስለዝዀነ ምስ ፆታዊ ጉዳያት ተዛሚዶም ብዝኽሰቱ ሕማማትን ፀገማትን ብቐሊሉ ይጥቅዑ ኣለዉ ተባሂሉ'ሎ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ጥዕና ሕብረተሰብ ዶክተር ኣርኣያ ኣብርሃ ካብ 30 ክሳብ 40 ሚኢታዊ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ፆታዊ ርክብ ከምዝፍፅሙ ብመፅናዕቲ ተረጋፁ እዩ ኢሎም። ኣብዚ እቲ ዝኸፈአ ድማ ጥንቃቐ ዝጐደሎ ርክብ ምፍፃሞም ከቢድ ሳዕብየን ከምዝበፅሖም ርዱእ ኰይኑ እዩ ኢሎም።

ተምሃሮ ኣብ ንእስነት ዕድሚኦም ካብ ስድራኦም ተፈልዮም ናብ ዩኒቨርሲቲ ምእታዎም ብቐረባ ዝምዕዶም ስለዘይረኽቡ ብመሓዙቶም ድፍኢት ናብ ዓቐን ዝሓለፎ መስተ፣ጫትን ሽጋራን ይኣትዉ። እቲ ብፊልምን ማሕበረሰባዊ መራኸብትን ኣቢሎም ዝረኽብዎ ሓበሬታ እውን ተወሳኺ ፅዕንቶ ይፈጥረሎም። በዚን ክንድዝን ምስ ፆታዊ ርክብ ተኣሳሲሮም ዝመፅኡ ሕማማት ይህሰዩ ኣለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ሚኒስቴር ትምህርቲ ናይ ስነ ተዋልዶ ትምህርቲ ንኹሎም ተምሃሮ እሞ ድማ ብቐሊሉ ብዝርደኦም መንገዲ ትምህርቲ ንምሃብ ወሲኑ'ሎ ኢሎም ዶክተር ኣርኣያ።

ንድምፂ ኣመሪካ ርእይቶኦም ዝሃቡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቐለ እቲ ትምህርቲ ብዘይድለ ወልፍታት ተደፋፊኦም ግዳያት ኤች ኣይቪ ኤይድስን ንዝኾኑ ዘለዉን ዘይተደለየ ጥንሲ ንዘጓንፈን ዘሎን ትምህርቲ ስነ ተዋልዶ ምሃብ ፅቡቕ መፍትሒ ክኸውን እዩ ብምባል ብጸጋ ተቐቢሎምዎ ኣለዉ

ንተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ትምህርቲ ስነ ተዋልዶ ክወሃብ'ዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:05 0:00

XS
SM
MD
LG