ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ብዋርድይኦም ኣብ ገዝኦም ክሕረዱ ካብ ዕቅን ንላዕሊ የሕዝን' ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ


'ብዋርድይኦም ኣብ ገዝኦም ክሕረዱ ካብ ዓቐን ንላዕሊ የሕዝን' ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:02 0:00

'ብዋርድይኦም ኣብ ገዝኦም ክሕረዱ ካብ ዓቐን ንላዕሊ የሕዝን' ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ

ንናይ ኢትዮጵያ ሓልታት ምክልኻል ኤታ ማዦር ሹም ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ኣብ ጡረታ ዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ንልዕሊ 42 ዓመታት ኣብ ቓልሲ ከምዝፈልጡዎም ዝተዛረቡ ኣብ ብረታዊ ቓልሲ ህውሓት መቓልስቶምን ሓለቕኦምን፣ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ኣዛዚኦም ዝነበሩ ናይ ቀደም ኤታ ማዦር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ሌቴናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ‘’ንምቁፅፃር ኣይክኣልንዶ ነይሩ ኢልካ ብዘጠራጥር መንገዲ ብዋርድይኦም ኣብ ገዝኦም ክሕረዱ ካብ ዕቅን ንላዕሊ የሕዝን፤ካብ ዕቅን ንላዕሊ ስምዒትካ ይትንክፍ’’ ኢሎም።

‘’ክንዲ እኒ ጀነራል ስዓረ፣ክንድ እኒ ጀነራል ገዛኢ ዝኾኑ ሰባት ብናይ ባዕሎም ዋርድያ፣ንኣኣቶም ክከላኸል ተባሂሉ ብዝተመደበ ዋርድያ ክጠፍኡ ኣይፅበን ነይረ’’ ዝበሉ ጀነራል ፃድቃን ኣስዒቦም ‘’ከምዚ ዓይነት ናይ ድሕንነት ክፍተት ክህሊ እዩ ኢለ ኣይግምትን ነይረ፣በቲ ቅድም ኢሉ ዝነበረኒ ልምድን ዝፈልጦን ክኸውን ዘይነበሮ እዚ ድማ ኣፍቲ ናይ ሃገር መከላኸሊ ሓለዋ ድሕንነት ዝምልከት ቀሊል ዘይኮነ ክፍተት ተፈጢሩ ከምዘሎን ክረአ ዘለዎ ከምዘለዎን እዩ ዝርኣየኒ’’ ኢሎም።

ንኽልቲኦም ጀነራላት ካብ 1969 ዓ/ም ኣብ ብረታዊ ቓልሲ ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይ/ህውሓት/ ከምዝፈልጡዎምን ሓቢሮም ከምዝሰርሑን ዝገለፁ ጀነራል ፃድቃን ‘’ጀነራል ሰዓረ ንሱ ዓወት ዘየመዝገበሉ ውግእ ነይሩ ኢልካ ምዝራብ ኣይክኣልን’’ክብሉ ገሊፆምዎም። ’’ስዓረ ቅድሚ ናብ ውግእ ምእታው ዘድልዮ ነገር ብምሉእ ኣዳሊዩ ፀላኢኡ ፈሊጡ ዓወት ከምዘምፅእ ተኣማሚኑ ዝኣቲ ኣዛዚ እዩ’’ ኢሎም ብምውሳኽ።

ብዛዕባ ጀነራል ገዛኢ ክገልፁ ከለው ድማ ካብቶም ኣብቲ ወታደራዊ ሳይንስን ጥበብን ብመዳይ ሎጂስትኪ ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ ብሓሳብ እውን ብጣዕሚ ዝበሰለ ሓሳብ ዝነበሮን መራሒ እዩ ነርዩ ኢሎም።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG