ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅልውላው ኢትዮጵያ ብሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ እንተዘይተፈቲሑ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝፍጠር ኢታ ማጆር ሹም ነበር ጀነራል ጻድቃን ኣጠንቂቖም (ካልኣይ ኽፋል)


ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ካብ ናይ ሓደ ውድብ ዓቕሚ ንላዕሊ ስለዝኾነ መንግስቲ ስርሑ እናቐፀለ ከሎ እጀታ ኣለና፤ጉዳይ ኢትዮጵያ ይምልከተና እዩ ዝብሉ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታትን ግዱሳት ወገናትን ኮፍ ኢሎም ብሓባር ክፈትሕዎ ኣለዎም ይብሉ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ለቴናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ።

እቲ ሕዚ ዘሎ ዕግርን ዓመፅን እናበርትዐ ከይዱ መንግስቲ ካብ ዝቆፃፀሮ ዝኽእል ንላዕሊ ኮይኑ ናይ ምቕፃልን ኣብ ልዕሊኡ ድማ ናይ ደገ ሓይልታት ኢዶም እንተድኣ ኣእትዮምሉ መንግስቲ ከም መንግስቲ ዓዲ እናመሓደረ ክቕፅል ዘይኽቕለሉ ኩነታት ክሳብ ምብፃሕ ክኸይድ ይኽእል እዩ ይብሉ ጀነራል ፃድቃን።‘’ይኹን እምበር ክሳብ ሕዚ ብዘለኒ ሓበሬታ ኢህወዴግ ኣብ ውሽጡ ውሱን ምምሕያሽ ብምግባር ዝቕፅል እዩ ዝመልስኒ።እዚ ዘላቒ ሰላም ከምፅእ እዩ ዝብል እምነት እውን የብለይን’’ ኢሎም።

ምስ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ዝተኻየደ ቃል ምልልስ ካልኣይ ኽፋል
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:49 0:00

XS
SM
MD
LG