ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶናልድ ትራምፕ ‘ንጽሉል ከልቢ’ ጀነራል ማቲስ ሓጽዮምዎም


 ጀነራል ጀምስ ማቲስ
ጀነራል ጀምስ ማቲስ

ተመራጻይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ‘ሚኒስትር መከላኸሊ ንክኾኑ ዝመረጽዎም ጀነራል ጀምስ ማቲስ’ ይባሃሉ።

‘ጽሉል ከልቢ’ ‘ማድ ዶግ’ ዝብል ሳጓ ዝሓዙ ጀነራል ማቲስ ኣብ ውግኣት ኣፍጋኒስታንን ዒራቅን ኣዛዚ ሰራዊት ኣሜሪካ ነይሮም።

‘ጽሉል ክልቢ’ ‘ማድ ዶግ’ ዝተባሃልሉ ቀንዲ ምኽንያት ‘ውግእ የሕጉሰኒ’ዩ ስለዝብሉ’ዩ’። ንጀነራል ማቲስ ዝፈልጥዎም ሰባት ‘ጀነራል ማቲስ፣ ብርቱዕ ተዋጋኣይ፣ ሙሁር፣ ተኹሶም ዘይስሕትን፣ ሓቂ ዝዛረብ ሰብን’ ኢሎም ይገልጽዎም።

እንተኾነ ጀነራል ጀምስ ማቲስ ሚንስትር መከላኸሊ ኮይኖም ንክሽየሙ ፈደራላዊ ሕጊ ለውጢ ክግበረሉ ኣለዎ።

XS
SM
MD
LG