ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ሱዳን ኣልቡርሃን ምስ ፕረ.ሳልቫኬር ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም


ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደል-ፈታሕ ቡርሃን ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኬር ተራኺቦም ንምዝርራብ ሎሚ ሰኑይ 4 ሰነ 2023 ናብ ከተማ ጁባ ደቡብ ሱዳን ኣትዮም። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኲናት ኣብ ሱዳን ካብ ዝጅምር ንደሓር ናብ ወጻኢ ሃገር ንኻልኣይ ግዜ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለው ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ቡርሃን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጁባ ኣብ ዝበጽሕሉ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ዝተቐበልዎም ኮይኑ ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ዘሎ ህልው ኩነታት ከምዝዘራረቡ ፀብፃብ ኣሶሴይትድ ፕረስ ይሕብር።

ኣብ መንጎ ብጀነራል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳንን ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ድጋፍ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ርእሰ ከተማን ካልኦት ከባቢታትን እታ ሃገር ናብ ቅሉዕ ውግእ ቀጺሉ'ሎ።

እቲ ውግእ ንርእሰ ከተማ ኻርቱም ናብ ዓውደ ዂናት ቀይሩዋ፣ ይኹን’ምበር ክልቲኦም ወገናት ነታ ከተማ ክቆፃፀርዋ ኣይከኣሉን። ጀነራል ዓልቡርሃን ዓሪዶምሉ ከምዝርከቡ ዝንገረሉ ወተሃደራዊ ቤትፅሕፈት ካብ ማእከላት እቲ ግጭት ሓደ ኮይኑ እዩ።

ኣብ መጀመርያ 2000 ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር ዝተፈፀመ ወፍሪ ምፅናት ዓሌት እቲ ጎንፂ ናብ ዓሌታዊ ዓመፅ ቀይርዎ እዩ። ከም ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራትን ጉጅለ ተሓለቕቲ መሰላትን ሓይሊታት ወሃቢ ህፁፅ ድጋፍ (RSF)ን መሻርኽቶም ሚሊሻታት ኣንጻር ዝተፈላለያ ዓሌት ዝዓለመ መጥቃዕቲ ከምዘውርዱ ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ጀነራል ቡርሃን ናብ ጁባ ዝገበርዎ መገሻ ንግዝያዊ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዓሊ ኣል-ሳዲቅ፣ ሓላፊ ስለያ ጀነራል ኣሕመድ ኢብራሂም ሙፋደልን ካልኦት ወተሃደራውያን መኮንናትን ዝተዓጀበ ምዃኑ ሓበሬታ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ የመልክት።

ሚኒስተር ጉዳያት ካቢነ ሚንስትራት ደቡብ ሱዳን ማርቲን ኤልያ ሎሙሮ ኣብቲ ብመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዝወፀ መግለፂ ከምዝበልዎ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ “ጎንፂ ዝፈትሕ” ፍታሕ ኣለዎ ምባሎም የመልክት።ሎሙሮ “ፕረዚደንት ኪር ንጉዳይ ሱዳን ዝቐረቡን ኣብቲ ጉዳይ ፍልጠት ዘለዎምን ንቅልውላው ሱዳን መፍትሒ ክረኽብሉን ዝኽእሉ ብሕታዊ ሰብ ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ” ይብሉ ።

ነዚ ስዒቡ ጊዚያዊ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን ኣልሳዲቅ ብወገኖም ደቡብ ሱዳን ነቲ ዝቕፅል ዘሎ ጎንፂ ንምሽምጋል ዝበለፀት ሞንጎኛ ምዃና ብምጥቃስ “ንነዊሕ እዋን ሓደ ሃገር ኮይና ስለ ዝፀናሕን ነንሕድሕድና ንፋለጥ ኢና፤ ፀገማትና ንፈልጦ ኢና ከምኡ’ውን ድልየታትና” ክብሉ ነቲ ሓሳብ ደጊፈምዎ።

ሕቡራት ሃገራት በቲ ግጭት ብውሑዱ 4,000 ዝኾኑ ሰባት ምሟቶም እንተተሓበረ ከም ቤት ፅሕፈት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብቲ ባይታ ዝርከቡ ተሓለቕቲን ደለይቲ ፍትሕን ሓኻይምን ግን እቲ ቑፅሪ ካብኡ ንላዕሊ ክውስኽ ከምዝኽእል ይሕብሩ። ልዕሊ 4.8 ሚልዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ምምዝባሎም ዝሓበረ ሕቡራት ሃገራት እቶም 3.8 ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ክኾኑ ከለዉ ልዕሊ 1 ሚልዮን ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተሰደዱ እዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG