ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈጥረ ህውከት ተሳቲፎም ተባሂሎም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ 528 ተጠርጠርቲ ክፍትሑ’ዮም


ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ጌታቸው እምባየ
ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ጌታቸው እምባየ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ዝተፈጥረ ህውከት ተሳቲፎም ተባሂሎም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ 528 ተጠርጠርቲ ኽሶም ተቛሪፁ ድሕሪ ፅባሕ ረቡዕ ከምዝፍትሑ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።እዚ መስርሕ ንዝቕጽሉ ክልተ ኣዋርሕ ከምዝቕፅል’ውን ተዛሪቦም ኣለው።

ብመሰረት ውሳነ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ንጉዳይ ፍትሒ ዝከታተል ግብሪ ሓይሊ ምጥያሹ ዝገለፁ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ጌታቸው እምባየ ብደረጃ ፌደራልን ክልልን ክሲ 528 ተጠርጠርቲ ከምዝቋረፅ ሎሚ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሮም።

እቲ ግብረ ሓይሊ ኣሰራርሓ ፍትሒ ንምምሕያሽ ናይ ሓፂር፣ማእኸላይን ነዊሕን ትልምታት ከምዝሓንፀፀ ዝዘርዘሩ ኣቶ ጌታቸው ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ዝነበረ ህውከት ተሳቲፎም ዝበሉዎም ተኸሰስቲ ኽሶም ብምቋራፅ ምፍታሕ ናይ ሓፂር እዋን ትልሙ ምዃኑ ኣረዲኦም።

“ነዚ መሰረት ብምግባር ብፌደራል ደረጃ ክሳብ ሎሚ ብዝተሰርሐ ናይ ምፍላይ ስራሕ 115 ተጠርጠርቲ ክሶም ኣብ ፈለማ ዙር ክቋረፅ ተገይሩ’ሎ።”

እዞም ተጠርጠርቲ ንዝተቐመጠ መዐቀኒ ዘማልኡ ብምዃኖም ኽሶም ክቋረፅ ንቤት ፍርዲ ቐሪቡ’ሎ ተሃድሶ ወሲዶም ክፍትሑ እዮም እውን ኢሎም።

“እዞም 115 ተጠርጠርቲ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ክልተ መዓልታት ስልጠና ተሃዲሶ ተወሂቡዎም ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ምስ ሕብረተሰቦምን ቤተሰቦምን ክሕወሱ እዮም።”

ብመሰረት መግለፂ ኣቶ ጌታቸው ክሲ ንምቁራፅ ኣርባዕተ መዐቀኒታት ተቐሚጦም ኣለው ።ኣብ ዝነበረ ህውከትን ዕግርግርን ንህይወት ሰብ ዘየጠፍአ፣ከቢድ ምጉዳል ኣካል ዘየውረደ፣ኣብ ምዕናው ዓበይቲ ትካላትን ቀጥታዊ ተሳተፎ ዘይነበሮ ወይ ዘይመርሐን ንሕገ መንግስትን ሕገመንግስታዊ ስርዓትን ብሓይሊ ንምቕያር ብመሪሕነት ዘይተሳተፈን ክኸውን ኣለዎ ይብል።

ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከተማ ዲላን ከባቢ ወረዳ ዲላን ኣብ ዝነበረ ህውከት ዝተሳተፉ 361 ተጠርጠርቲ ኣብ ወረዳ ኮንሶ ኣብዝነበረ ህውከትን ዕግርግርን ብተመሳሳሊ ኩነታት ተሳተፍቲ ዝነበሩ 52 ተጠርጠርቲ ኽሶም ተቛሪፁ ናይ ተሃድሶ ስልጠና ተዋሂቡዎም ናብ ስድርኦም ክሕወሱ እዮም ኢሎም።

ናይ ተሃድሶ ስልጠና ምስተውሃቦም ናብ ሕብረተሰብን ስድርኦም ተሓዊሶም ሰላማዊ ህይወቶም ብምምራሕ ናይ ሰላም ሓይሊ ንክኾኑ ክስራሕ እዩ ኢሎም።

እዞም ዝተፈረዶም እሱራት ቅድም ክብል ብዝተቐመጠ መዐቀኒታት ናይ ነፍሲ ወከፍ እሱር ጉዳይ እናተርኣየ ብናይታ ሃገር ሕጊ መሰረት ከምዝፍፀም እውን ተዛሪቦም ኣለው።

ናይዚ ፌደራል ይቕሬታ ተጠቀምቲ ይኹኑ ኽሲ ናይ ምቁራፅ መስርሕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝፍትሑ ሰባት ጉዳይ ብዝተቐመጠ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ብተኸታታሊ ከምዝፍፀም ወሲኾም ገሊፆም።

እዚ ፀብፃብ ክሳብ ዝተሰርሐ ድምጺ ኣሜሪካ ካብዝተፈላለዩ ምጭንታት ከምዝረጋገፆ ፍሉጣት መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ብዛዕባ ምቁራፅ ኽሲ ይኹን ብዛዕባ ዝተጀመረ መስርሕ ዝተነግሮም ይኹን ዝፈልጡዎ የለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG