ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገለ አባላት ፓርላማ ኢትዮጵያ፡ ቀ/ሚንስትር ብዛዕባ ዝፍጸም ዘሎ ጎንጽታት ናብ ፓርላማ ቀሪቦም መብርሂ ክሳብ ዝህብዎም ስርሖም ከምዘይቅጽሉ ኣፍሊጦም


ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍፀም ዘሎ ጎንፅታት ሞትን ዕንወት ንብረትን ቀሪቦም መብርሂ ክህቡ ኣለዎም ክብሉ ምሕታቶም ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

አባላት ቤት ምኽሪ ብተወሳኺ ሕቶና ምላሽ እንተዘይረኺቡ ግን ስራሕና ክንቕፅል ኣይንኽእልን ኢና ክብሉ ተዛሪቦም።

ብኻልእ ወገን ፈፃሚ ስራሕ ኮሚቴ ኢህወዴግ ትማሊ ዘውፅኦ መግለፂ ዘምፅኦ ሓድሽ ነገር የለን ክብሉ ተቓወሚ ፓርቲ ኦፌኮን ሓደ ምሁር ታሪኽን ተዛሪቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG