ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጌዴዎን ዘላለም ኣብ ጋንታ ኣርሴናል ተሰሊፉ


ጌዴዎን ዘላለም ኣብ እዋን ግጥም
ጌዴዎን ዘላለም ኣብ እዋን ግጥም
ዓላሚ ጋንታ ኣርሴናል ኣርሰን ዌንገር ነቲ 17 ዓመት ዝኾኖ ትሕቲ ዕድመ ዝኾነ ዘላለም ጌዴዎን ኣብ ግጥም ኣንፃር ኮቨንትርይ ስትይ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣሰሊፍዎ።ኣርሴናል 4 ን ባዶ ተዓዊታ።

ብመሰረት‘ዚ ኣርሴናል ኣብ ግጥማት FA ካፕ ናብ ራብዓይ ዙር ምሕላፋ ኣረጋጊፃ።

ጌደዎን ኣብ እዋን ኣርሰን ዌንገር ንኣርሴናል ምዕላም ዝጀመርሉ ዓመታት ዝተወለደን ዝዓበየን እንኮ ተሰላፋይ‘ታ ጋንታ‘ዩ።ደጊም ቀዋሚ ተሰላፋይ ጋንታ ኣርሴናል ከምዝኾን‘ውን ተገሊፁ‘ሎ።

ብዘይካ‘ዚ ግስጋሰ ጌደዎን ብሰለስተ ሃገራዊ ጋንታታት‘ውን ቆላሕታ ኣርኪብሉ‘ሎ።ዝተወለደላ ሃገር ጀርመን፣ኣብ ኣሜሪካ ንMSC ዝተባሃለት ጋንታ ተፃዊቱ ነይሩ ወዲ ትሻዓተ ዓመት ከሎ፣መቦቅሉን ቤተ-ሰቡን ኢትዮዽያውያን ስለዝኾኑ ሕርይቲ ጋንታ ኢትዮዽያ‘ውን ዓይኒ ኣውዲቃትሉ‘ላ።
XS
SM
MD
LG