ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንፀት ፍሉይ ቁጠባዊ ዞባ ገዳ ተጀሚሩ


ኣካል ፖሊሲ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ቻይና ዝኾነ ፕሮጀክት ገዳ ህንፀት ቁጠባዊ ዞባ ሎሚ ብወግዒ ስርሑ ጀሚሩ። ቻይና ሰለስተ ኣህጉራት ብመሰረተ ልምዓት ንምትእስሳር ዝወጠነቶ "ተበግሶ ቅናትን መንገዲን" ኣካል ከም ዝኾነ ዝተገለፀ እዚ ፕሮጀክት ኣብ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ኣብ መንጎ ከተማታት ሞጆን ኣዳማን ከምዝህነጽ ሓላፊ ህንፀት ባቡር ቻይና ዴይ ሄገን ገሊፆም።

ኣብ ምጅማር ስራሕ ህንፀት ፍሉይ ቁጠባዊ ዞባ ገዳ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ነፃ ኢንዳስትራዊ ዞባ ንምድላው ምምሕያሽ ፖሊሲ ምግባራ ገሊፆም።

ምስቲ ነቲ ህንፀት ዝሰርሕ ኮርፖረሽን ስቪል ኢንጀሪንግ ቻይና ተወካሊ ዝተፈራረሙ ናይቲ ፕሮጀክት ሓላፊ ኣቶ ሞቱማ ተመስገን እቲ ፕሮከጅት ኣብ 24- ሽሕ ሄክታር መሬት ዝሕዝን እቲ ስራሕ በብደረጃ ከምዝሳለጥን ሓቢሮም። ክንደይ በጀት ከምዝውድእ ግን ኣቶ ሞቱማ ኣይገለፁን።

ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ክኢላ ስነ ቁጠባ ዶክተር ጌዴዎን ገሞራ ጃለታ ኣብ 2023 ዝጀመረ ተበግሶ ቅናትን መገድን ብቻይና ከምዝሽፈን ብምሕባር ብትሪሊዮን ዶላር ዝሳለጥ ኮይኑ ስርሑ እውን ንኩባንያታት ቻይና ክወሃብ እዩ ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG