ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሕቶ ወልቃይት ሕቶ ትምክሕተኛታት'በር ሕቶ ህዝቢ ኣይኮነን' ኢሎም ኣቶ ገብረሚካኤል መለስ


ትግራይ
ትግራይ

'ዛጊድ ናብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝቀረበ ሕቶ መንነት ወልቃይት ዝቀረበ የለን። ብዛዕባ ወልቃይት ክንዛረብ እንተኾይና ዝቀረበ ሕቶ የለን' ኢሎም ኣቶ ገብረሚካኤል። ኢህወዴግ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ'ዚ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ 'ሕቶ መንነት ወልቃይት ኣብ ትግራይ ክፍጸም፣ ምስ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ምስሕሓብ'ውን ክልቲኦም ተሓተቲ'ዮም ዝበሎም ላዕለዎት መሪሕነት ክፈትሕዎ ኣለዎም' ከምዝበለ' ዝዝከር'ዩ።

'መራሕቲ ትግራይ ንኩነታት 'ግጨው' ኣብ እዋኑ ክንፈትሖ ስለዘይካኣልና የንቅፈና'ዩ፣ ምስ ክልል ኣምሓራ ቀልጢፍና ክንፈትሖ ኢና' እውን ይብሉ ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝቢን መንግስቲን ትግራይ ኣቶ ገብረሚካኤል።

ኮሎኔል ደመቀ ግና ኣብ ሓደ እዋን ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ 'ናይ ኣሻሓት ፊርማ ዝሓዘ ሰነድ ናብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቅሪብና ሰማዒ ስኢና' ከምዝበሉ ዝዝከር'ዩ።

'ዝኾነ ባዓል ስልጣን፣ ምስኡ ስለዝተለማመጸ ጭቡጥ መረጋገጺ ተረኺብዎ እናሃለወ ብሕጊ ንከይሕተት ዝገብረሉ ባይታ የለን። እቲ መርየት ረመጽ'ዩ' ኢሎም እቶም ክልላዊ ወሃቢ ቃል።

'ህዝቢ ኣይንቅበሎን፣ ኣይንመርጾን ንዝበሎ ኣባል ውድብ፣ ኣብ ካልእ ከባቢ ወሲድካ ንክምረጽ ትገብሩ ኢኹም ንዝብል ሕቶ ድማ ገዛኢ ፓርቲ ከምኡ ኣይገበረን' ዝብል መልሲ ክምዝበሉ ዝዝከር'ዩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:10:11 0:00
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:40 0:00

XS
SM
MD
LG