ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማእከል ምርምር ኢራስመስ መንደስ ዝመራመር መንእሰይ ጋሻ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኮይኑ


ገብረኪዳን ገብረስላሴ
ገብረኪዳን ገብረስላሴ

ተመራማሪ ሳይንስ ማተርያልን ኤነርጂን

ኣብ ሕምብርቲ ኣውሮዻ ዝርከብ ነባርን ውሩይን ማእከል ምርምርን መፅናዕቲን ኢራስመስ ሜንደስ ዝሰርሕ መንእሰይ ተመራማሪ ገብረኪዳን ገብረስላሴ፣ኣብ ቀዳማይ ክፋል‘ዚ መደብ‘ዚ ብዛዕባ ኣተዓባብይኡን ናብ‘ዚ ብርኪ‘ዚ ዝበፅሐሉን ጉዕዞ ከምዝገለፀልና ዝዝከር‘ዩ።

ንሎሚ ድማ፣እቲ ንሱ ዝሓዞ ፍልጠትን ተመክሮን ቴክኖሎጂን ሳይንስን ናብ ኢትዮዽያ ንምስጋር ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪታት ክገልፅ ከሎ ንሱን ከምኡ ዝኣምሰሉ ኣብ ወፃኢን ውሽጢ ሃገርን ዝርከቡ ሙሁራት ተሓባቢሮም ኣብ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ማእከል ምርምርን ሳይንስን ንምቓም ንሰርሕ ኣለና ይብል።

ኣብ ትግራዮይ'ውን እንተኾነ ምስ ዩኒቨርሲቲ መቀለ ብምትሕግጋዝ ንብሉፃት ተማሃሮ ሃፀይ ዮሃንስ ክረምታዊ ስልጠና ክምዝለገሱን ኣብ ግድብ ተከዘ መፅናዕታዊ ዑደት ከምዝፈፀሙን ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG