ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ቓዛ ዝወረደ ዕንወት ዘርእይ ምስሊ ይዝርግሕ


 ሆስፒታል ኣል-ሺፋ
ሆስፒታል ኣል-ሺፋ

ውድብ ጥዕና ዓለም ትማሊ ሓሙስ 21 ታሕሳስ 2023 ዝዘርግሖ ምስሊ ኣብ ሆስፒታል ኣል-ሺፋን ካልኦትን ዝወረደ መጠን ዕንወት ኣዝዪ ከቢድ ምዃኑ ዘርኣየ እዩ።

ኣተሓባባሪ ጉጅለ ወሃብቲ ህፁፅ ሓገዝ ውድብ ጥዕና ዓለም ሻን ኬሲ ነዳዲ ኣብዘይብሉ ዋላውን ሕክምናዊ ናውትን ሰብ ሞያ ጥዕናን እንተተረኽቡ ክፈጥርዎ ዝኽእሉ ሓገዝ ከምዘይህሉ ሓቢሮም።

ንሶም ወሲኾም“ካብ ስንባድኦም ክረጋግኡ፣ ንገሊኦም ቃንዛታት ዝቆፀፀርሉ ኩነታትን ቀለልቲ ቁስልታት ምሕካምን እዩ። እቲ ሆስፒታል ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ኮይኑ እሞ ድማ ብዘይ ነዳዲ ከመይ ምስራሕ ይከኣል” ኢሎም።

ከም ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም ናውቲ መጥባሕቲ፣ ቁሱላት ንምሕካምን ኣብ እዋን ሕርሲ ንደቂ ኣንስትዮ ዝሕግዘን መድሓኒታትን ዝኣምሰሉ ቀረባት ሕክምና “ሓባራዊ ልኡኽ ናብ ዝለዓለ ሓደጋዊ ከባቢ” ብዝተባህለ ትካልን ካልኦት መሓዙት ሕቡራት ሃገራትን ናብቲ ሆስፒታል በጺሑ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG