መንጎኛታት፡ እስራኤልን ሓማስን ንምቍራጽ ተጻብኦ ከም ዘተሰማምዑ ሎሚ ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ሓቢሮም። ሎሚ ዝተነግረ ስምምዕ ግብራዊ ምስ ዝኸውን ነቲ ንልዕሊ 15 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኣህላቒ ዝተሰምየ ኲናት መዕረፊ ክግበሮ’ዩ።
እዚ ስምምዕ ንሰሙናት ኣብ ዶሓ ቀጠር ክካየድ ድሕሪ ዝጸንሐ ዘተ’ዩ ኣብ መደምደምታ በጺሑ ዘሎ። ኣቐዲሙ ከም ዝተሓበረ፡ በዚ ስምምዕ፡ ሓማስ ጅሆ ሒዙዎም ዘሎ እስራኤላውያን ክለቕቕ፡ ከም ኣምሳያኡ ድማ እስራኤል ነቶም ካብ መንበሪታቶም ሃዲሞም ዘለዉ ኣማኢት ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ናብ ቓዛ ክምለሱ ከተፍቅድ’ያ። ኣሶሸይትድ ፕረስ ዘስፈሮ ሓበሬታ እስራኤል’ውን ነቶም ብኽቱር ስእነት መሰረታዊ ቀረባት ዝሳቐዩ ዘለዉ ፍልስጤማውያን ሓገዝ ረዲኤት ከተፍቅድ’ያ ይብል።
እዚ መስርሕ ሽምግልና ብቐጠርን ኣመሪካን ዝምራሕ ኰይኑ፡ ግብጺ’ውን ወሳኒ ተራ ከም ዘለዋ ይፍለጥ።
ኣስታት ክልተ ሚልዮን ፍልስጤማውያን ካብ መንበሪታቶም ዝተመዛበሉ ኰይኖም፡ ብሰንኪ’ቲ ትንፋስ ዘይህብ ቀጻሊ ደብዳባት ድማ ንሕጽረት መግቢ፡ ማይን መሰረታዊ ቀረባትን ተቓሊዖም ጸኒሖም'ዮም። ሕጂ ሽምግልና ተስፋ ምስ ተዋህቦ ንቡር ህይወት ንምጅማር ብተስፋ ዘማዕድዉ ብዙሓት’ዮም።
ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሓማስ ዝጀመረ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ እዋኑ 1,200 እስራኤላውያን ክቐትል እንከሎ፡ ዛጊት ልዕሊ 46-ሽሕ ፍልስጤማውያን ምሟቶም ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር።
ቅጥዒ