ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ግጭት ዝርከቡ ሰላማዊያን ሰባት እስራኤልን ቓዛን ዘጋጥም ዘሎ ሞት ዝተሰምዖም ጓሂ ይገልጹ


ኣብ ግጭት ዝርከቡ ሰላማዊያን ሰባት እስራኤልን ቓዛን ዘጋጥም ዘሎ ሞት ዝተሰምዖም ጓሂ ይገልጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:08 0:00

ኣብ ግጭት ዝርከቡ ሰላማዊያን ሰባት እስራኤልን ቓዛን ዘጋጥም ዘሎ ሞት ዝተሰምዖም ጓሂ ይገልጹ

እስራኤል ደብዳብ ኣብ ገማግም ቓዛ ኣብ ዝቐፀለትሉ እዋን አብቲ ከባቢ ዝርከቡ ነበርቲ ክግዕዙ ተገይሩ እዩ። ስድራ እቶም ናብ ቓዛ ተጨውዮም ዝተወስዱ 150 እስራኤላውያን ግን ስግኣቶም ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ገማግም ቓዛ ደብዳብ ሮኬት ብዘይምቁራፅ ኣብ ዝቐፀልሉ ሕጂ እዋን ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩእስራኤላውያን ካብቲ ከባቢ ክወፁ ተገይሩ እዩ። ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ዝኾኑ ፍልስጤማውያን ግን ለይትን ቀትርን ብደብዳብ ከበድቲ ኣፅዋራት ተኸቢቦም ኣብ ውሽጢ ቓዛ መውፅኢ ስኢኖም ኣለዉ።

ካብቶም ኣብ ውሽጢ ቓዛ ዝርከቡ ሰላማዊያን ሰባት ተጨውዮም ዝተወስዱ ኣስታት 150 ዝኾኑ እስራኤላውያን ይርከቡዎም። ስድራቤቶም ድማ ዘይከድሕኑ ይኽእሉ ኣብ ዝብል ኸቢድ ፍርሒ ተዋሒጦም ኣለዉ።

ስቶላርዝ አዶልፎ ጓል ሓፍቱ ካብቲ ጎንፂ ዝጀመረሉ መዓልቲ ጀሚራ ኣይተረኽበትን። ምስቶም ዝተጨውዩ እያ ትኸውን ኢሉ ይኣምን።

“መወዳእትኡ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ኣይፈልጥን፣ ንኹሉ ዘሐጉስ መወዳእታ ግን ኣይክህልዎን እዩ ።”

ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ጉጅለ ሰብኣውያን እቲ ቕልውላው ንሰላማዊያን ሰባት ማህሰይቱ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ይገልፁ። ቀደሙ'ውን ምስ ዓለም ዝተቖራረፁ ፍልስጤማውያን ሐጂ ድማ ነተን ካብ ደገ ዝረኽብዎም ዝነበሩ ከም ኤሌክትሪክ፣ ማይን መግብን ዝበሉ ቀረባት ተቋሪፁ'ሎ።

እታ ካብ ቓዛ ሰዓትን ፈረቓን ርሒቓ እትርከብ እየሩሳሌም እውን ሓሓሊፉ መጥቃዕቲታት ሮኬት ምትእንጋዳ ኣይተረፈን በዚ ድማ ብዙሓት እስራኤላውያን እቲ ግጭት ቁጠዐ ፈጢሩሎም እዩ። መንግስቶም ልዑል ናይ ፀጥታ ዓቕሚ እንተሃለዎ እኳ ከድሕኖም ዘይምኽኣሉ ይገልፁ።

ካልኦት ድማ ክልቲኦም ተፃባእቲ ወገናት ኣብ ከምዚ ዝበለ ውግእ ኣትዮም አይፈልጡን ክብሉ በቲ ሓማስ ዝፈፀሞ ተግባር ንፍልስጤየናውያን ይወቕሱ።

ኒር ባራሺ እስራኤላዊ ናብቲ ግጭት ኲናት ዝዳሎ ዘሎ ኣባል ሰራዊት እዩ “ደጊመ ዝብሎ ንሕና ወይ ንሶም ኣበርቲዕና ክንወቕም ክንጅምር ኣለና።”

ንቓዛ ዘመሓድር ሓማስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳም ዝጀመሮ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዛጊት ብኽልቲኡ ወገን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማዊያን ሰባት ሞይቶም ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ካልኦት ድማ ቖሲሎም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG