ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጥቃዕቲ ሆስፒታል ቓዛ ቁጥዐ ኣብ መላእ'ቲ ዞባ የልዕል


መጥቃዕቲ ሆስፒታል ቓዛ ቁጥዐ ኣብ መላእ'ቲ ዞባ የልዕል
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:41 0:00

መጥቃዕቲ ሆስፒታል ቓዛ ቁጥዐ ኣብ መላእ'ቲ ዞባ የልዕል

ትማሊ ምሸት ሰሉስ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ብዘጋጠመ ነታጕ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ምስተቐተሉን ምስ ቆሰሉን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ቁጥዐ እናዓበየ ይኸይድ ኣብ ዘለሉ ሕጂ እዋን ኣብ ቓዛ ዘለው ሓካይም ንዝቖሰሉ ንምድሓን ይቃለሱ ኣለው። እቲ ፍንጀራ መን ፈፂሙዎ ዝብል እስራኤልን ሓማስን ነንሕድሕዶም ይካሰሱ።

ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተዓቑቦም ዝነበሩ ሰላማዊያን ሰባት ዝቐተለ ብርቱዕ ምንቷግ ከቢድ ጉድኣት ዝወረዶም ግዳያት ንምድሓን ሓካይም እቲ ሆስፒታል ብዘይ መደንዘዚ ህይወት ንምድሓን ይቃለሱ።

እቶም ሓካይም ቀረባት ሕክምናን ንጀነረተሮም ዝኸውን ነዳዲን ሕፅረት ኣጋጢሙዎም ኣሎ። እስራኤል ሓማስ ንዝፈጸሞ መጥቓዕቲ ስዒቡ ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚራ ቀረባት ናብ ቓዛ ከይሓልፍ ከልኺላ ትርከብ።

ጉጅለ ዕጡቕ ሓማስ እቲ ትማሊ ሰሉስ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ብደብዳብ ነፋሪት እስራኤል እዩ ተፈፂሙ ክብል ከሲሱ።

ወታደራዊ ሓይሊ እስራኤል ብወገኑ ብናይ ፍልስጤማዊያን ናይ ሮኬት ናይ ምውንጫፍ ጌጋ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ ኢሉ ኣሎ። ሓማስ እንተወሓደ 500 ሰባት ተቐቲሎም ክብል ገሊፁ። ፕረዝዳት ኣመሪካ ጆ ባይደን እቲ ኵናት ከይሰፍሕን ደው ክብል ተስፋ ብምግባር ሎሚ ረቡዕ እስራኤል ኣትዮም ኣለው።

በቲ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታል ዝተፈፀመ ፍንጀራ ኣብ መላእ ማእኸላይ ምብራቕ ጓህን ቁጠዐን ተስፋሕፊሑ ኣሎ።

ፕረ.ባይደን ኣብ ዝኣተውሉ ንቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል በንጃሚን ኔታኛንያሁ ሓቒፎም ስላምታ ድሕሪ ምቕራቦም እቲ ፍንጀራ ናይ እስራኤል ጌጋ ኣይመስልን ኢሎም።"ከምዝርኣኹዎ ብኣኻ ዘይኮነስ ብኻልእ ጉጅለ ዝተፈፀመ እዩ ዝመስል’’ ኢሎም።

ባይደን ቅድሚ ምምፅኦም ፍልስጤማዊያን መጥቓዕትታት ሮኬት ፈፂሞም ነይሮም። እስራኤል ‘’ውሑስ ዞባ’’ ኢላ ኣብ ዝፀውዐቶ ደቡብ ቓዛ ሓዊሱ ሎሚ ሮቡዕ እውን ደብዳብ እስራኤል ቀጺሉ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG