ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ምብቓዕ ጊዝያዊ ተኹሲ ደው ምባል ግጭት እስራኤልን ሓማስን ቀጺሉ'ሎ


ቓዛ
ቓዛ

ንሓደ ሰሙን ዝፀንሐ ግዚያዊ ቶኽሲ ጠጠው ምባል ግዚኡ ምስ እተወድአ ድሕሪ ደቓይቕ ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ንዝርከቡ ዒላማታት ደብዲበን። ምስ ሓማስ ዝካየድ ኵናት ብምሉእ ሓይሊ ቀፂሉ ኣሎ።

እስራኤል ኣብ ክፋላት ደቡባዊ ቓዛ መጥቓዕትታታ ከም እተስፍሕ ብምግላፅ ሰባት ንመንበሪ ገዛውቶም ሓዲጎም ክወፁ ዘተሓሳስብ በራሪ ወረቐት ደርቢያ ኣላ።እዚ እስራኤል ብኣጠቓላሊ መጥቓዕታታ ንምስፋሕ ትዳሎ ከምዘላ ዝእምት እዩ።

እስራኤል ሮኬታት ይመፅእ ከምዘሎ ናይ መጠንቅቕታ ደወላት ኣስሚዓ ኣላ። ዕጡቓት ሓማስ ከም ብሓዱሽ መጥቓዕትታቶም ከምዝጀመሩ ዝሕብር እዩ። ዝወረደ ጉድኣት እንተሃሊዩ ግን ኣይተገለፀን።

እዚ እተሓደሰ ውግእ ነቶም ኣብ ገምገም ባሕሪ እትርከብ ንእሽተይ ከተማ ዝነብሩ ፍልስጤማዊያንን ነቶም ኣብኡ ዝተረፉ ኣስታት 140 ጅሆ ዝተትሓዙን ስግኣት ፈጢሩሎም ኣሎ። ቐጠር መንጎኛታት ነቲ ውግእ ደው ንምባል ውዕል ንምግባር ይፀዕሩ ከምዘለው ገሊፃ ኣላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG