ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ንእስራኤል ንምሕጋዝ ትዳሎ፡ ቓዛ ዘየቋርጽ ቦምባታት ተጽሒ


ደብዳብ ቓዛ - ፋይል
ደብዳብ ቓዛ - ፋይል

እስራኤል ሎሚ ዓቢ ናብ ቓዛ እትገብሮ ዘሎ ደብዳብ ኣጽዒቓቶ ምህላዋ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ገሊጹ። ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣፍ ጋላንት፡ እስራኤል ንቓዛ ናይ ምቍጽጻር መደብ ከም ዘይብላ’ውን ገሊጹ። እቲ ሚኒስተር ድሕሪ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ከቢድ ብረት፡ እስራኤል ንቓዛ ኣትያ ጕጅለ ሓማስ ዝዕቆቡሉ ስፍራታት ኣጽርያ ድሕሪኡ ኣብቲ ወሽመጥ ንምጽናሕ መደብ ከም ዘይብላ ሓቢሩ።

ቅድም ክብል ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ እስራኤል ንወሽመጥ ቓዛ ተቖጻጺራ ኣብኡ ምጽናሕ እንተ ቀጺላ ዝዓበየ ሓደጋ ክስዕብ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ምንባሩ ይዝከር።

እስራኤል ሎሚ ዓርቢ ዛጊት ልዕሊ 100 ዒላማታት ወቒዓ ምህላዋ ኣፍሊጣ። እዚ ናይ ሎሚ ዓርቢ ዒላማ መጥቃዕቲ ኰይኑ ዘሎ ስፍራታት ኣቐዲሞም ፍልስጤማውያን ሓዲጎሞ ንኽወጽኡ ዝሕተቱሉ ዝነበሩ’ዩ።

በቲ ቀጻሊ ደብዳባት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ፍሊስጤማውያን ካብ መንበሪታቶም ሃዲሞም ኣለዉ። ኵሉ ቀረባት ስለ ዝወሓደን እናተጸንቀቐ ስለዝመጽአን ድማ ንዝያዳ ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዖም ኣለዉ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሲቪላውያን ነበርቲ ቓዛ ኣብ ዝኸፍአ መዋጥር ከም ዘለዉ መጠንቀቕታ ይህብ ኣሎ። ብመንገዲ ግብጺ ኣቢሉ ናብ ቓዛ ከምርሕ ዝተመደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምቲ ዝተመደቦ ኣይቀንዐን። ልዕሊ 200 ህጹጽ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ንውሽጢ ቓዛ ንምእታው ፍቓድ ይጽበያ ኣለዋ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ካብ ናይ እስራኤል ዑደቱ ድሕሪ ምምላስ ትማሊ ሓሙስ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ኣብ ጎድኒ እስራኤል ምህላዋ ገሊጹ። መደረ ፕረዚደንት ባይደን ኣመሪካ ነተን ክልተ ቀንዲ መሻርኽቲ ሃገራት ዝበለተን እስራኤልን ዩክሬንን ንምሕጋዝ ጻውዒት ምቕራብ’ዩ ነይሩ። ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መግለጺኡ ብዛዕባ’ቲ “ሓደገኝነት” ዝበሎ ናይ ጕጅለ ሓማስን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ክገልጽ እንከሎ፤“ሓማስን ፑቲንን በበይኖም ዓይነት ሓደጋ’ዮም ዝእምቱ። ክልቲኣቶም ግን ሓደ ዘተኣሳስር ነጥቢ ኣለዎም። ክልቲኣቶም ንጎረብባቲ ሃገራቶም ከብርሱን ንደሞክራሲ ከዕንዉን’ዮም ሕልሞም።”

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መደረኡ፡ ኣመሪካ ንኣዕሩኽ ሃገራት ንምሕጋዝ ኵሉ ዝከኣላ ክትገብር ምዃና ኣመልኪቱ ኣሎ። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዘስፈሮ፡ ባይደን ሎሚ ዓርቢ 105 ቢልዮን ባጀት ንባይቶ ኣመሪካ ክሓትት ምዃኑ ጠቒሱ ኣሎ። ካብዚ እቲ 60 ቢልዮን ብዓይነት ኣጽዋር ንዩክሬን ምዃኑ’ዩ። ዓሰርተ ኣርባዕተ ቢልዮን ካብቲ ፕረዚደንት ባይደን ከቕርቦ ተዳልዩ ዘሎ ጠለብ ድማ ንእስራኤል ዝውዕል ምዃኑ ኣሶሴይትድ ፕረስ ይሕብር።

ፕረዚደንት ባይደን ነዚ ዓቢ ባጀት ኣብ ዝሓተሉ እዋን፡ ግዜ ዘይህብ ጻውዒት ምዃኑን ኣብቲ ናይ ትማሊ መደረ ኣብሪሁ ነይሩ፤

“ታሪኽ ሓደ ነገር’ዩ ዝምህረና። ግብረ-ሽበራውያንን ውልቀ-መለኽቲን ነቲ ዝግበሩዎ ዕንወት ዝግበኦ ግብረ-መልሲ እንተ ዘይተዋሂቡዎም፡ ብእኡ ተተባቢዖም ዝዓበየ ሓደጋን ሞትን’ዮም የስዕቡ።”

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ በበይኑ ሃገራት ከተማታትን ዓለም ኣንጻር እስራኤልን ኣመሪካን ዝቐንዐ ሰለማዊ ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ። መብዛሕትኦም ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዘለዉ ወገናት ኣንጻር ሰቪላውያን ዜጋታት ዝግበር ዘሎ ደብዳብን እስራኤል ነቲ ከባቢ ጎቢጣ ክትሕዞ’ያ ዝብል ስክፍታን’ዩ። እቲ ሰለማዊ ሰልፍታት ካብ ዶባት ጆርዳንን ዒራቕን ጀሚሩ ኣብ ዝተፈለላያ ሃገራት ኣብ ቅድሚ ኤምባሲታት እስራኤል፡ ኣመሪካን ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራትን’ዩ ዝካየድ ዘሎ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ይሕብር።

ተሓላቒ ትካል ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዛጊት 3,793 ሲቪላዉያን ዜጋታት ፍልስጤም በቲ ደብዳብ ተቐቲሎም ምህላዎም ጸብጺቡ ኣሎ። እቲ ትካል ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ እስራኤል ከም ወታሃደራዊ ዒላማ ትድብድቦ ዘላ ቦታታት ከምቲ ንሳ ትብሎ ከም ዘይኰነ ብምጥቃስ፡ ኣብቲ ቦታ ገበናት ኲናት ይፍጸም ኣሎ ብምባል ዘድሊ ምርመራ ክግበርን ንሲቪላውያን ዜጋታት ዒላማ ዝግበረ ደብዳባት ከቋርጽን ጸዊዑ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG