ዋሽንግተን —
ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል በንያሚን ነተንያሁ ብሓማስ ዝተታሕዙ ጅሆ ንምምላስን ነቲ ን15 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ግጭት ንምዕራፍን ውዕል ከም ዝተገብረ ኣፍሊጡ። ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ዝወጸ መግለጺ ፡ ካቢነ እስራኤል ነቲ ውዕል ንምጽዳቕ ሎሚ ዓርቢ ክእከብ`ዩ ይብል።
እስራኤላውያን 98 ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ዜጋታቶም ክምለስዎም ይጽበዩ ኣለዉ።ገሊኦም ዝሞቱ`ዮም። ሓማስ ኣብ 7 ጥቅምቲ 2023 ናብ ውሽጢ ደቡባዊ እስራኤል ብምእታው 1,200 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ ዝሓዞም `ዮም።
ካብ ድሕሪ ጽባሕ ሰንበት ዝጅምር ቀዳማይ ደረጃ`ቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ሓማስ ደቀንስትዮ፡ ቆልዑትን ዓበይትን ዝርከብዎም 33 ሰባት ክለቅቕ `ዩ። እስራኤል ድማ ከም ግብረ-መልሲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ፍልስጤማውያን እሱራት ክትፈትሕ`ያ።
እንተኾነ ገለ እስራኤላውያን፡ ሓማስ ቃሉ ከኽብር እንተኾይኑ ይጠራጠሩ። ዛጊት ሓማስ ዝርዝር ናይቶም ሒዝዎም ዘሎ ጅሆ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኮነን።
ቅጥዒ