ትማሊ ኣብ ዶሓ- ቐጠር ዝተጀመረ ዘተ-ምቁራጽ ተኹሲ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ሎሚ ዓርቢ ተዛዚሙ`ሎ። ነቲ ዘተ ዝመርሓ ዘለዋ ኣመሪካ፡ግብጽን ቐጠርን ኣብ ዝዘርግሕኦ መግለጺ፡ እቲ ዝርርብ ሃናጺ ምንባሩን ብኣወንታዊ ሃዋህው ከም ዝተኻየደን ሓቢረን ኣለዋ።
ንክልቲኦም ወገናት መፍትሒ ሓሳባት ዝበልዎ እማመታት ከም ዘቕረቡሎምን ብዛዕባ ዝርዝር`ቲ እማመን ኣተገባብርኡን ግን ኣብዘን ዝቕጽላ መዓልታት ከምዝገልጹ'ውን ሓቢሮም ኣለዉ።
ዕላማ'ቲ ዘተ ነቲ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ፍልስጤማውያን ዝቐትል ዘሎ ግጭት ጠጠው ንምባሉን ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘሎ እስራኤላውያን ንምፍታሕን'ዩ። ሓማስ ኣብቲ ዘተ ይሳተፍ የለን- እንተኾነ ግን ብዛዕባ'ቲ ምዕባለታት መብርሂ ከም ዝህብዎ ኣላዘብቲ'ቲ ዘተ ይሕብሩ'ለዉ። እቲ ልዝብ ንኻልእ እዋን ክቕጽል ምዃኑ ተላዘብቲ ይገልጹ`ለዉ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ጆን ከሪቢ እዚ ኣገዳሲ ስራሕ'ዩ ነዚ መስርሕ'ዚ ናብ መደምደምታ ክነብጽሖ ኣለና ክብል ንሪፖርተራት ሓቢሩ'ሎ።
ንኣዋርሕ ውልዕ ጥፍእ ክብል ዝጸንሐ ዝርርብ ንፍልልያት ከጽብብ ኣይከኣለን። እስራኤል ሰላም ዝመጽእ ሓማስ እንተ ተደምሲሱ ጥራይ`ዩ ትብል። ሓማስ ብወገኑ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ክቕበል እንተኾይነ ግዚያዊ ዘይኮነስ ነባሪ ክኸውን ኣለዎ ይብል።
ናብ ሎሚ ለይቲ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ቓዛ ደብዳባት ኣካይዶም ኔሮም- ሲቪላት ካብቲ ኣቐዲሙ ውሑስ'ዩ ዝተባህለ ከባቢውን ክወጹ ሓዲሽ ትእዛዝ ኣሕሊፋላ።
በቲ ንቓዛ ዳርጋ ናብ ፍርስራስ ዝቐየረ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 40 ሺሕ ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐተሉ ክግለጽ ጸኒሑ'ሎ።
ቅጥዒ