ሓደ ዓመት ድሕሪ ሓማስ ኣብ እስራኤል መጥቃዕቲ ምውልዑ፡ ኣብ መንጎ ሕዝባላህን እስራኤልን ዝካየድ ግጭት እናተጋደደ ይኸይድ ኣሎ። በቲ ግጭት ኣስታት 200-ሺሕ ከም ዝተፈናቐሉ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ ኣሎ።
ድሕሪ`ቲ ዶብ ሰገር ግጭታት ኣብ ጥቓ ዶብ ሊባኖስ ዝርከባ ቁሸታት ባዶ ተሪፈን ይርኣያ። እተን ድሓን ዝብሃላ ቁሸታት ድማ በቶም ካብ ግጭት ዝሃደሙ ተጨናኒቐን ይርከባ።
ኣብ ናባቴህ ደቡብ ሊባኖስ ዝርከቡ 200 ዝኾኑ ስድራቤታት 500 ዝኾኑ ተፈናቐልቲ ኣዕቑቦም ይርከቡ። ፋጢማ ራማልን ስድራቤታን ካብ መንጎ ዝተዓቖቡ`ዮም። እንተኾነ እቲ ዘለውዎ'ውን ዕጭኡ ስለዘይፍለጥ፡ እንደገና ካብኡውን ክሃድሙ ከይግደዱ'ዩ ስግኣቶም።
"መጀመርያ ናብዚ ኣብ ዝመጻናሉ እዋን ሰላም ይስምዓና ኔሩ። ኣብ ውሽጢ ወርሒ ወይ ክልተ ወርሒ ንምለስ `ውን ይመስለና ኔሩ። ግን ዳርጋ ክልተ ወርሒ ኮይኑና። ዓድና ናፊቕና፡ ቀልጢፍና ክምለስ ኢና ንደሊ። ."
ካልኦት ከም ማሕሙድ ሞዋሲ ዝበሉ ስድራቤታት ድማ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓቑቦም ይርከቡ። ኣብ ኤታሮም ዝብሃል ዓዶም ዝርከብ ገዝኦም ብነፈርቲ እስራኤል ዓንዩ`ዩ። ተስፋና እናጸልመተ ይኸይድ ኣሎ ዝብል ማሕሙድ፡-ብዛዕባ መንግስቲ ሊባኖስ ዝገብረሎም ሓገዝ ከምዚ ክብል ይገልጽ፡ "መግቢ ካብ መንግስቲ ንርከብ ኢና፡ ገንዘብ ግን ካብ መንግስቲ ዝውሃበና የለን። ዝተረሳዕና ኮይኑ`ዩ ዝስምዓና። ኣብ ኵናት 2006 መንግስቲ ዝያዳ ይኣልየና ኔሩ። ሎሚ ግን የለን።"
ሰብኣዊ ቅልውላው ንመንግስቲ ሊባኖስ ልዕሊ ዓቕሙ ዝመጠጦ ይመስል። ካብ 2020 ጀሚሩ'ውን ኣብ ክሳራ እዩ ጸኒሑ። ሰራሕተኛታት ረድኤት`ቲ ከባቢ ዓለምለኻዊ ሓገዝ'ውን ሓጺሩ እዩ ዘሎ ይብሉ። ሙርታዳ ሙሕና ንጻዕርታት ረድኤት ከተማ ጣይር ዘተሓባብር ክኸውን ከሎ፡ - ሽሕ`ኳ በብወርሑ ክውሃቦም ዝነበረ እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 7-ሺሕ ዝተመዝገቡ ስድራቤታት ኣርባዕተ ግዜ ጥራሕ ረድኤት መግቢ ተቐቢሎም ይብል።
ሕጂ እዚ ዳሕራዋይ ናይ ዶብ ግጭት ናብ ካልኣይ ዓመቱ ቀጺልዎ`ሎ። ናብ ምሉእ ኵናት ከይኣቱ`ውን ተሰጊኡ`ሎ። ሎሚ ስድራቤታት ተዓቑቦምሉ ዘለዉ ቦታ፡ ጽባሕ ዝሃድምሉ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ብዙሓት ይግምቱ።
ቅጥዒ