ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ብርክት ዝበሉ ዘመናዊያን ናይ መስኖ ፕሮጀክትታት ይዕመሙ


ናይዚ ሓደ ኣብነት ዝኸውን ኣብ ንኡስ ዞባ ፈርቶ ሳዋ ዝርከብ ኣብ 4 ነጥቢ 2 ኪሎ ሜትሮ ዝተዘርግሐ መእለይ ውሕጅ ኣሸዳ እዩ

ከም በዓል ገርሰትን ፋንኮን ዘበሉ ዓበይቲ ዲጋታት ጥራይ ዘይኮኑ ኣቀድም ኣቢሎም ብዘይ ዝኾነ ረብሓ ፈቐዶ ጎላጉል ዝፈሱ ንዝነበሩ ወሓይዝ ናይ ምእላይ መደባት ድማ ኣብ መነባብሮ ሓረስቶት ድሮ ርኡይ ለውጢ ከርኢ ጀሚሩ ኸምዘሎ ይግለጽ። ናይዚ ሓደ ኣብነት ዝኸውን ኣብ ንኡስ ዞባ ፈርቶ ሳዋ ዝርከብ ኣብ 4 ነጥቢ 2 ኪሎ ሜትሮ ዝተዘርግሐ መእለይ ውሕጅ ኣሸዳ እዩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ፈርቶ ሳዋ ብመንጎ ሰለስተ ዓድታት ሰንጢቖም ዝሓልፉ ወሓይዝ ክሳብ ቀረባ ዓመታት ኣብ መዓላ ኸይወዓሉ ይባኽኑ ኔሮም። እቲ መእለዪ ውሕጅ ኣሸዳ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኾይኑ ኣብ የማነ ጸጋም ናይቶም ወሓይዝ ናብ ዘሎ ጎላጉል ከምዝፈስስ ብምግባር ልዑል ምህርቲ ክሕፈሰሉ ኽእሉ`ሎ።

ናይ ሎሚ ሰኑይ መደብ ሕርሻ ንምስማዕ ኣብ ላዕላዋይ የማን ንዘሎ ምልክት ድምጺ ክፈቱ

XS
SM
MD
LG