ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ሀይቲ ንመዕርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ይከላኸሉ፡ ንሓያሎ ኣብያተ-ማእሰርቲ ግን ኣየድሓኑን


ኣብታ ብጸጥታዊ ሕምስምስ እትሳቐ ዘላ ሀይቲ፡ ትማሊ ሰኑይ ንዝበዝሕ ክፋል ርእሰ-ከተማ ዝቆጻጸሩ ጭፍራ ዓዋሉ ንመዕርፎ-ነፈርቲ ንምሓዝ ጽዑቕ ተዅሲ ኣካዪዶም። እቶም ጭፍራ ዓዋሉ ንመዕርፎ ነፈርቲን ካልኦት ቍልፊ ኣብያተ-ጽሕፈት መንግስቲን ንምቍጽጻር ኣብ ዝፈተኑሉ፡ ፖሊስ እታ ሃገር ድማ ንምክልኻል ኣበርቲዑ ክዋጋእ ውዒሉ።

ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ምዱብ ስራሑ ደው ኢሉ፡ ትማሊ ሰኑይ ዝነቕላን ዝዓልባን ነፈርቲ ኣይነበራን።

እቶም ዓዋሉ ሃንደበት ነቲ መዕርፎ ነፈርቲ ንምቍጽጻር መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈነዉሉ፡ ድሩዓት መካይን ዝሓዙ ሓይሊ ፖሊስ ነቶም ኣብኡ ተኸርዲኖም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ከውጽኡ ተጓዮም።

ዝሓለፈ ሰሙን’ውን እቲ መዕርፎ ነፈርቲ መጠነኛ መጥቃዕቲ ወሪዱዎ ነይሩ። እንተዀነ ክንድዚ ናይ ሰኑይ ዝሕይል ኣይነበረን።

ዝደሓረ መጥቃዕቲ፡ ሰብ-መዚ እታ ሃገር ሰዓታት እቶ-እቶ ኣዊጆም ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ንምትግባር ኣብ ዝጽዕሩሉ ዘለዉ እዋን’ዩ።

መራሕቲ ጭፍራ ዓዋሉ፡ ንቤት ማእሰርቲ ርእሰ-ከተማ ኣጥቂዖም ዳርጋ ንዅላቶም እሱራት ድሕሪ ምልቃቖም፡ ፖሊስ እታ ሃገር ንዝሃደሙ ገበነኛታት ንምቕራም ኣብ መስርሕ’ዩ ዘሎ።

እቶም ንኣስታት 80% ርእሰ-ከተማ ፖርት-ፕሪንስ ዝቆጻጸሩ ጭፍራ ዓዋሉ ግን ምውህሃዶም ኣሐይሎም ንሓይሊ ፖሊስ ይገጥሙ ኣለዉ። ዳሕረዋይ ዒላማ እዞም ጭፍራ፡ ሃገራዊ ባንክ እታ ሃገር ኰይኑ ኣሎ።

ኣብታ ኣስታት 11 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ሀይቲ፡ ትሽዓተ ሽሕ ዝኣባላቱ ሓይሊ ፖሊስ ጥራይ’ዩ ዘለዋ። ብውሽጣዊ ዓቕሚ ንምቍጽጻር ስለ ዘይከኣለት ብሕቡራት ሃገራት ዝምእከል ሓይሊ ፖሊስ ካልኦት ሃገራት ንምቛም ኣብ ጻዕሪ’ያ ዘላ። ዳሕረዋይ መንገሻ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሪያል ሀንሪ ናብ ኬንያ’ውን ብዛዕባኡ ንምዝርራብ’ዩ።

ሀይቲ ብሰንሰለታዊ ጎንጺ ክትሕመስ ጸኒሓ’ያ። እዘን ዝሓለፋ መዓልታት ግን ጫፍ እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላውን ስእነት ጸጥታን’ያ መዝጊባ። ቅድሚ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ዕላማ ምግባሮም፡ እቶም ጭፍራ ዓዋሉ ንኽልተ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣጥቂዖም ኣብ ሓንቲ 3,798 እሱራት ከፍትሑ እንከለዉ፡ ኣብ ካልእ ድማ 1,033 እሱራት ንኽሃድሙ ኣኽኢሎም። ካብ መንጎ’ቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሑ ዝመረጹ ብቅንጸላ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ጆቨነል ሞይሰ ዝተኸሰሱ 18 ዜጋታት ኮሎምቢያ’ዮም። ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝተኻይደ መጥቃዕቲ’ውን 1,400 እሱራት ሒዛ ዝነበረት ቤት ማእሰርቲ በቶም ዓዋሉ ተታሒዛ ኣላ።

ንፈደረሽን ጭፍራ ዓዋሉ መሪሑ ነዚ ስርሒት ዘካይድ ዘሎ፡ “ባርቢክዩ” ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ ናይ ቅድም ኣባል ፖሊስ እታ ሃገር ጂሚ ሸሪዜር’ዩ። ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ንሓይሊ ፖሊስን ካልኦት ሰብ-መዚ መንግስቲን ማሪኽካ፡ ነቲ ኣብ መንገሻ ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣሬል ሀንሪ ንኸይምለስ ምዃኑ ይሕብር። ባርቢክዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሀንሪ ካብ መዝነቱ ክወርድ’ውን ይጠልብ ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግን ነቲ ጻውዒት ይነጽጎ። ናብታ ሃገር ንምምላስ ውሕስነት ዝስምዖ እንተዀይኑ ብኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ምስ ተሓተተ ግን ርጡብ መልሲ ኣይሃበን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG