ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ጋሞ ከምባ ወረዳ ዝርከብ ሆስፒታል ብሰንኪ ክፍሊት ደሞዝ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣገልግሎቱ ምትዕንቃፉ ነበርቲ ይገልጹ።
ብመሰረት ሰብ-መዚ’ቲ ወረዳ 85 ሰብ-ሞያ ሕክምና ስራሕ ደው ምባሎም ሓቢሮም ኣለው።
ሜዲካል ዳይሬክተር ኣገልግሎት ጥዕና’ቲ ወረዳ ዝኾኑ ዶ/ር ኣንተነህ ደግፌ እቲ ሆስፒታል ብሓደ ቀዳማይ ረድኤት ጥራይ ዝህብ በዓል ሞያ ጥዕና ይሰርሕ ምህላውን ሕሙማት ናብ ኣርባምንጭ ሓፈሻዊ ሕክምና ሪፈር ይብል ምህላው ሓቢሩ።
ንሱ ብተወሳኺ መሕረስቲን ክፍሊ መጥባሕቲ’ቲ ሆስፒታል’ውን ስራሕ ደው ምባሉ ሓቢሩ’ሎ። በዚ መሰረት ሕሙማት ኣገልግሎት ንምርካብ ኣስታት 100 ኪ.ሜ ይጉዓዙ ከምዘለው ሓቢሩ።
ሰብ-መዚ ብተወሳኺ ብሰንኪ ምድንጓይ ኣገልግሎት ሞት ሸውዓተ ሰባት ከምዘጋጠመ ሓቢሮም ኣለው። ድምጺ ኣመሪካ ግን ነዚ ጥርዓን ብነጻ ወገን ከጻርዮ ኣይከአለን።
ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦ ንድሕነቱ ክብል መንነቱ ክግለጽ ዘይደለየ በዓል ሞያ ሕክምና 12 ሰብ-ሞያ ሕክምና’ቲ ሆስፒታል ስራሕ ደው ምባሎምን ናብ ካልእ ቦታ ምካዶምን ገሊጹ ምክንያቶም ድማ ደሞዝ ብዘይምኻፍሎም ከምዝኾነ ገሊጹ።
ቅጥዒ