ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ጋሞ ዝነበረ ግጭት ብዝተሓሓዝ 40 ሰባት ምእሳሮም ነበርቲ ገሊጾም


 ካርታ ኢትዮጵያ- ፋይል
ካርታ ኢትዮጵያ- ፋይል

ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዞባ ጋሞ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ዝነበረ ግጭት ብምትሕሓዝ ብውሕዱ 40 ሰባት ተኣሲሮም።

እቲ ግጭት ምስ ናይ ዘይሴ ብሄረሰብ ቀበሌታት ፍሉይ ምምሕዳር ወረዳ zቐርብ ሕቶታት ብዝተሓሓዝ`ዩ።

ነበርቲ ኣብተን ኣብ ከባቢ ኣርባምንጭ ዝርከባ ኤልጎ: ወዘካ: ደምብለን ጫሞን ዝብሃላ ዓድታት ማእሰርቲ ቀጺሉ'ሎ ክብሉ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ መንጎ ፖሊስን ነበርትን ግጭት ተወሊዑ ኔሩ`ዩ። እተን ምምሕዳራዊ ከባብታት ናይ ባዕለን ሓደ ዝኾነ ናይ ወረዳ ምምሕዳር ክህልወን ይሓታ ኣለዋ::

እሱራት ማህረምትን ካልእን ይወርዶም ከምዘሎ`ውን ስድራቤቶም ይጠርዑ`ለዉ። ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ካብ ሰበ-ስልጣን`ቲ ከባቢ ርእይቶ ምርካብ ኣይተኻእለን ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG