ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋምብያ ንሕጊ ምክልኻል ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ትስርዝ


ጋምብያ ንሕጊ ምክልኻል ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ትስርዝ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:29 0:00

ጋምብያ ንሕጊ ምክልኻል ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ትስርዝ

ጋምብያ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ዝኽልክል ሕጊ ዝሰረዘት ቀዳመይቲ ሃገር ኮይና። ትማሊ እቲ ናይ ምስራዝ ሕጊ ኣብ ፓርላማ`ታ ሃገር ምስ ሓለፈ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ጽርግያታት ባንጁል ንናይ ድጋፍ ሰልፊ ወጽዮም ኔሮም።

ከም ኣመንስቲ ኢንተርናሽናል ዝበሉ ተሓለቕቲ ግን ታሪኻዊ ጌጋ ብምባል ይቃወምዎ`ለዉ።

ፓርላማ ጋምብያ ነቲ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ዝእግድ ሕጊ ድሕሪ ምልዓሉ ዝበዝሑ ደቂ-ተባዕትዮ ዝርከብዎም ከምኡ`ውን ደቀንስትዮ ንናይ ድጋፍ ሰልፊ ወጽዮም ኔሮም።

ገለ ካብተን ደቀንስትዮ "ሃይማኖት መሰልና `ዩ" ዝብል ጭርሖ ሒዘን ኔረን።

ኣባላት ባይቶ ጋምቢያ ነቲ ረቂቕ ኣብ መጀመርያ`ዚ ወርሒ ከቕርብዎ ከለዉ፡ እቲ ንምኽንሻብ ደቀንስትዮ ዝእግድ ሕጊ፡ ባህልናን ሃይማኖትናን ከይነኽብር መሰል ዜጋታት ዝጻረር`ዩ ብዝብል`ዩ። ጋምቢያ ኣብ 2015 ዘውጽኣቶ ሕጊ ነቲ ድሑር ባህሊ ዝፈጸመ ሰብ፡ መቕጻዕቲ ገንዘብን ማእሰርትን ክፍረድ ዝብል`ዩ ኔሩ። ሕጂ ግን ጋምቢያ ሕጊ እገዳ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ዝዓጸፈት ቀዳመይቲ ሃገር ኮይና`ላ።

ኣብ ዳካር ተመራማሪት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሚሸል ኤክን፡ ነቲ ሕጊ ምኽንሻብ ምዕጻፉ ኣብቲ ዞባ ሓደገኛ መልእኽቲ ከሕልፍ ይኽእል`ዩ ክትብል ተጠንቅቕ።

"ነቲ ሕጊ ምስራዝ ማለት ኣብ ጋምቢያ ጥራይ ዘይኮነስ ንመሰላት ደቀንስትዮ ብሓፈሻ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘለዎ`ዩ። ንመንእሰያት ኣዋልድ፡ መሰልክን ብቐሊሉ ክውሰድ ይኽእል`ዩ ዝብል መልእኽቲ`ዩ ዘመሓላልፍ። እዚ እንተሓሊፉ፡ እቲ ዝቕጽል`ከ እንታይ ኢልካ ምሕታት ከድሊ`ዩ። ኣብዚ ብሓቂ ቃልስና ክነሐይል ይግባእ።"

እገዳ ምኽንሻብ ጋምቢያ ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ያሕያ ጃመሕ`ዩ ተግባራዊ ኮይኑ ኔሩ። ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ`ውን ንሸሞንተ ቆልዑት ብምኽንሻብ ተቐጺዐን ኔረን።ኣብ 2017 ፕረዚደንት ኣዳማ ባሮው ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ግን እቲ ሕጊ ንድሕሪት ክምለስ ክድፍኣሉ ጸኒሑ።

ሚሸል ኤክን፡ ተመራማሪት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፤ ነቲ ሕጊ ምኽልካል ምኽንሻብ ምልዓሉ ዘይኮነስ፡ ተሓተቲ ክቕጽዑ ኢና ክንደፍኣሉ ዝግባእ ትብል።

"ብዘይ ዝኾነ መቕጻዕቲ ን10 ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዝሓለፈ ዓመት ስለዝተጀመረ`ዩ፡እቲ ንምዕጻፉ ዝግበር ምንቅስቓስ ተጀሚሩ። ግን፣ ምዕጻፉ ዘይኮነስ ንተወሳኺ መቕጻዕቲ ኢና ክንደፍእ ዝግባኣና። ኣካላዊ ክፍሊ ኣዋልድ ኢና ንወስድ ዘለና። ገሊአን ደቀ ሓደ ዓመት ሕጻናት `የን። ብመሰረቱ ንመንእሰያት ኣዋልድ፡ መሰልክን ብቐሊሉ ክምንጠል ይኽእል `ዩ ኢና ንብለን ዘለና። እዚ ድማ ሓደገኛ `ዩ።"

ጃሓ ዱኩረህ መስራቲት "ውሑስ ኣእዳው ንኣዋልድ" ዝተባህለ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ከብቅዕ ዝቃለስ ዘቤታዊ ትካል`ያ። ምኽንሻብ እንተተፈቒዱ፡ ትሕተ ዕድመ መርዓ`ውን ይፈቐድ ክብሉ`ዮም፡ ወላ`ውን ዘቤታዊ በደል ከፍቅዱ`ዮም ማለት `ዩ ትብል።

“ኣዝዩ ዘሕዝን መዓልቲ`ዩ ኣብ ታሪኽ ጋምቢያ። ኣብ ግዜ ጾም ሮሞዳን እናሃለና ብዛዕባ ኣካላት ደቀንስትዮ ንዛረብ ኣለና። ንሱ ከይኣክል`ውን ነቲ ተግባር ንምስጓም ሃይማኖት ንጥቀም ኣለና። ስለዚ ዘሕዝን መዓልቲ`ዩ ኣብ ሃገረን። ልበይ ጉህዩ`ሎ።"

ንሳ ኣተሓሒዛ እዚ ብዛዕባ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ጥራይ ዘይኮነ ንኣካላት ደቀንስትዮ`ውን ንምቁጽጻር ዝግበር ስራሕ`ዩ ትብል።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ተግባራት ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ዝኾነ ጥዕናዊ ረብሓ የብሉን፡ እኳ ደኣስ፡ ንልዑል መድመይቲ፡ ስነ-ልቦናዊ በሰላን ንሞትን እዩ ዘቃልዕ ክብል ጸኒሑ`ሎ። እንተኾነ ሕጂ `ውን ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ዙርያ ዓለም ካብ ዝነበሮ 200 ሚልየን ናብ 230 ሚልየን ከም ዝወሰኸ `ዩ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሕጻናት( ዩኒሰፍ) ዘጠንቅቕ።

መብዛሕቲአን ዝኽንሸባ ደቀንስትዮ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዝኾና ድሕሪኡ ድማ ኣብ ኤስያን ማእከላይ ምብራቕን ምዃነን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።


ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG