ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ጋምቤላ ብዝተወለዐ ዓሌታዊ ጎንፂ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ፍሉይ ወረዳ ኢታንግ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ክልተ ጣቢያታት ዝተወለዐ ጎንፂ፣ ናብ ካልኦት ከባብታት እቲ ክልል ተባሪዑ ንሕልፈት ህይወት ብዙሓት ሰባት ምኽንያት ከምዝኾነ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልል ጋምቤላ ኣቶ ኡገቱ ኣዲንግ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ኣብቲ ጎንፂ ኣባላት ብሄር ኣኙዋክን ኑዌርን ከምዝሳተፉ ዝገለፁ ኣቶ ኡገቱ፣በቲ ጎንፂ ብዙሕ ሰብ ሞይቱ ኣሎካብ ምባል ሓሊፎም፣ ብዝሒ ዝሞተ ሰብ ኣይገለፁን።

ዩኒቨርሲቲ ጋምቤላ ብወገኑ ኣብዚ ሰሙን ሓደ መምህርን ሓደ ተማሃራይን ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጡ`ሎ፡፡ ፕረዚደንት እቲ ዩኒቨርሲቲ / ኡጁሉ ኡኮክእቶም ሰባት ኣብ ከተማ ከምዝተቐተሉ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም ኣለው። ሓላፊ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ግን ጉዳይ ናይ`ቶም ዝሞቱ ኣባላት ዩኒቨርስቲ ጋምቤላ ምስቲ ተወሊዑ ዘሎ ጎንፂ ዝተሓሓዝ ዃኑን ዘይምዃኑን ኣይገለፁን።ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብዝርዝር ክዛረብ ኣይክእልን፣ ብሓፈሻ ግና ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም ኣለውክብሉ ኣቶ ኡገቱ ምላሽ ሂቦምእቲ ናይ ብሄር ቅርፂ እናሓዘ ዝመፅእ ዘሎ ጎንፂ እናተጋደደ ስለዝኾነ ድማ፣ መንግስቲ እቲ ክልል ካብ ትማሊ ረቡዕ 19 ሓምለ 2023 ጀሚሩ ሰዓት እቶ እቶ ከምዘኣወጀ ኣቶ ኡገቱ ኣዲንግ ኣፍሊጦም።

ንሶም ወሲኾም ምስ ፌደራል ኣካላት ፀጥታ ብምትሕብባር ናይቲ ክልል ሰላም ንምምሕያሽ ከምዝተወሰነ ድማ ኣብሪሆም። ነበርቲ ከተማ ጋምቤላ ብወገኖም፣ ኣብታ ከተማ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ከምዝተዓጽዋ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊጾም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG