ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ጋምቤላ ለውጢ መራሕቲ ገይሩ


ሓድሽ ዝተሾማ ኣመሓዳሪት ክልል ጋምቤላ ወ/ሮ ኣለሚቱ ኡሞድ
ሓድሽ ዝተሾማ ኣመሓዳሪት ክልል ጋምቤላ ወ/ሮ ኣለሚቱ ኡሞድ

ቤት ምኽሪ ክልል ጋምቤላ ሎሚ 9 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ጉባኤ፡ ነተን ኣብ ፌደራል መንግስቲ ምኽትል ሚኒስትር ደቀንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝነበራ ወይዘሮ ኣለሚቱ ኡሞድ፡ ኣመሓዳሪ እቲ ክልል ጌሩ ሸይሙ ኣሎ።

ኣቐዲሞም ኣመሓዳሪ'ቲ ክልል ዝነበሩ ኣቶ ኡሞድ ኡጁሉ ምክንያት ምልቃቕ መዝነቶም ድምፂ ኣመሪካ ከረጋግፅ ኣይከኣለን። እንተኾነ፣ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ሰላም፡ ልምዓትን ፀጥታን ክፍተት ስለ ዝተርኣየ፡ ናይ መሪሕነት ለውጢ ከም ዝተገበረ ሓቢሩ። ነቲ ክልል ከመሓድራ ዝተመዘዛ ወይዘሮ አለሚቱ ኡሞድ፡ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበኦ ቃለመሕትት፡ ኣብቲ ክልል ዘሎ ስእነት ሰላምን ፀጥታን ንልምዓት ይዕንቅፍ ምህላዉ ብምግላጽ፣ ኣብ ስራሐን ንህንፀት ሰላም ቀዳምነት ከምዝህባ ኣፍሊጠን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG