ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ክልል ጋምቤላ ኣብ ዓሌታዊ ጭፍጨፋ ኢድ ከምዘለዎም ምእማኖም ድሕሪ ምስተጸብጸበ ካብ መሪሕነት ፓርቶም ተፋንዮም


ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ፡ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ቁስሊኻ እናሓከክኻ ናብ ብቀላ ምምላስ ዘድሊ ኣይመስለናን ይብሉ

ፕረዚደንት ዘይቅሱን ክልል ጋምቤላ ኢትዮዽያ፣ቅድሚ ትሻዓተ ዓመት ኣብ ዝተፈፀመ ዓሌታዊ ቅትለት ኢዶም ከምዝሓወሱ ድሕሪ ምእማኖም፣ካብ ስልጣኖም ወሪዶም።

ፕረዚደንት‘ቲ ክልል ኦማድ ኦቦንግ ኦሉም፣ካብ ስልጣን ኣቦ-መንበርነት ገዛኢ ፓርቲ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ጋምቤላ ከምዝወረዱ፣ክልተ ጋዜጣታት ኢትዮዽያ ገሊፆም።እቲ ፓርቲ ምስ ኢህወዴግ ዝውግን ፓርቲ ምኻኑ ይፍለጥ።

ኣቶ ኦማድ ኦቦንግ ካብ ክልላዊ ፕረዚደንት ዝወርዱ እንተኾይኖም ግና ተወሳኺ ሓበሬታ የለን።ኣብ‘ቲ ኣሃዳዊ ስርዓተ-ፓርቲ ትኽተል ኢትዮዽያ፣ ስልጣን ናይ ፓርቲ ካብ መንግስታዊ ስልጣን ዝያዳ ይረብሕ።

ብርክት ዝበሉ ኣባላት ፈፃሚ ስራሕ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ጋምቤላ‘ውን ከምዝተወገዱ ተገሊፁ‘ሎ።

እዚ ምብራር ዝተፈፀመ፣ድሕሪ ንሰሙን ዝዘለቀ ግምገማ መንግስታዊ ስራሕቲ ምኻኑ‘ውን እቲ ዜና ይሕብር።መገምገሚ ነጥቢታት፣ግዕዝይና፣ኣሰሓሓቢ ኪራይ ሰፊሕ መርየት ሕርሻ ንወፃእተኛ ኢንቨስተራት፣ከምኡውን ቅድሚ ትሻዓተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ውሑዳን ዓሌት ኣኝዋክ ተፈፂሙ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባት ምቅታሎም ዝብሉ’ዮም።

ክፍሊ ኣምሓርኛ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ናይ ጋምቤላ ምንጭታቱ፣እቲ ብምስጢራዊ ዝተካየደን ዝተቃለዐን ቃለ-ምስክርነት፣ዓውታ ፈጢሩ‘ሎ ይብል።ኣብ‘ቲ ዝተቀርፀ ድምፂ፣ኣቶ ኦማድ ኦባንግ ኣብ‘ቲ ቅትለት ኢድ ከምዝነበሮም ይኣምኑ፣ብውልቆም ተሓታቲ እንተኾይኖም፣ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ‘ውን ክሕተቱ ኣለዎም ከምዝበሉን እቲ ዜና ይሕብር።

ኣብ ሁማን ራይት ዋች ዝሰርሕ ቤን ራውለንስ፣ኦማድ ኦባንግ ዝሃብዎ ቃለ-ምስክርነት፣እቲ ቅድሚ ትሻዓተ ዓመት ዝተፈፀመ ቅትለት ከምብሓድሽ ንክግምገም ዝዕድም‘ዩ ኢሎም።

“ሁማን ራይት ዋች ነቲ ቅድሚ ትሻዓተ-ዓሰርተ ዓመት ኣብ ጋምቤላ ዝተፈፀመ መርሚሩዎ‘ዩ።ንክፃረ‘ውን ፀዊዑ‘ዩ።ስለዚ ኣብ‘ዚ እዋን ከምኡ እንተይሎም፣ኣብ‘ቲ እዋን እንታይ ከምዝተፈፀመ ንምምርማርን መን ተሓታቲ ምኻኑን ንምፍላጥ ዕድል ክህበና‘ዩ“ ይብሉ።

ኣብ‘ቲ ዝተቀርፀ ድምፂ፣ኣቶ ኦሞድ ኦባንግ ናይ‘ቶም ዝተቀትሉ ኣኝዋክ ዝርዝር ስም፣ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ስለዝተራኸቡ፣በቲ ቅትለት ሓላፍነት‘ዶ ትወስድ ንዝብል ዝቀረበሎም ሕቶ ገምገምቲ ኣሚኖም ተቀቢሎም ይብሉ ሙሉእ ስሞም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ኣቶ ኦቶው፣

ሚስተር ኦቶው ብዛዕብኡ ክዛረቡ ከለው ”እወ ጊዜ ሃቡኒ‘ሞ፣ፅባሕ ንሕቶኹም መልሲ ሒዘ ክመፅእ ኢሎም። ንፅባሒቱ፣ሓቂ‘ዩ ነቲ ዝርዝር ስም ሂበ’የ።ነገር ግን፣ኣነ ኣይቀተልክዎምን ኢሎም።ዝቀተሉ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ‘ዮም።ምኽንያቱ ኣኝዋክ ንክቅተሉ ዝወሰኑን ትእዛዝ ዝሃቡን ንሶም‘ዮም።ስለ̎ዚ ኣነ ክሕተት እንተኾይነ፣ ንሶም‘ውን ክሕተቱ ኣለዎም።ነቲ ገበን ንምኽዋል ይመስለኒ፣ኣቶ ኦሞድ ኦባንግ ንተወሳኺ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ስልጣኖም ንክፀንሑ ዝተወሰነ” ኢሎም።

ብዛዕባ‘ዚ ምዕባለ ሪኢቶኦም ዝሃቡ ምንስትር ኮምኒኬሽን ኢትዮዽያ ኣቶ በረከት ስምኦን ብወገኖም ”እቲ ቅድሚ ዓመታት ዝተኸሰተ ቅልውላው፣ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ተፈቲሑ‘ዩ።ኣብ ሞንጎ ደቂ‘ቲ ከባቢን ካልኦት ተቀመጥቲ‘ቲ ከባቢን ግጭት ተወሊዑ፣ግን ሳላ ትኩር መንግስታዊ ጣልቃ ምእታው፣እቲ ፀገም ተፈቲሑ‘ዩ” ኢሎም።

ኣቶ በረከት ስምኦን፣ንሁማን ራይት ዋች ዘውፀኦ መግለፂ መልሲ ክህቡ ተሓቲቶም ከምዚ በሉ፣

ንሶም ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ”ወረያ ወረን ኣካል‘ቲ ሁማን ራይት ዋች ዘካይዶ ወፍሪ ፀለመን‘ዩ።እዚ ቅልውላው ዘጓነፈሉ እዋን፣ቅልውላው ዳርፉር ኣብ ዝተኸሰተሉ ወቅቲ‘ዩ ነይሩ።ግን ብመንፅር ኣብ ዳርፉር ዝተፈፀመን ኣፈታትሕኡን፣እቲ ኣብ ጋምቤላ ዝተፈፀመ ከምዘይዳረጎ ምርኣይ ይካኣል።እቲ ፀገም ተፈቲሑን፣ ተዓፅዩን‘ሎ።ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ንዝተኸሰተ ቅርሕንቲ ፈቲሕናዮ ኢና።ብሰላም‘ውን ይነብሩ‘ለው።ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ቁስሊኻ እናሓከክኻ ናብ ብቀላ ምምላስ ዘድሊ ኣይመስለንን” ይብሉ።

ቅድሚ 7 ዓመት ሪፖርት ዘውፀአ ሁማን ራይት ዋች፣ሰራዊት ኢትዮዽያ፣ ሰፊሕ ቅትለት፣ፆታዊ ዓመፅን መግረፍቲን ኣብ ልዕሊ ዓሌት ኣኝዋክ ቅድሚ ትሻዓተ ዓመት ፈፂሙ ከምዝበለ ይዝከር።ስዒቡ ዝተካየደ መንግስታዊ ምርመራ ግና፣ሰራዊት ኢትዮዽያ፣ነቲ ዝተቃለሐ ክሲ ኣይፈፀመን ኢሉ ናፃ ኣውፂእዎ‘ዩ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ሁማን ራይት ዋች፣ሎሚ ሰሉስ ብዛዕባ ጋምቤላ ካልእ መግለፂ ከውፅእ‘ዩ።እቲ መግለፂ፣መንግስቲ ኢትዮዽያ ንህዝቢ‘ቲ ከባቢ ኣፈናቂሉ ንንግዳዊ ሕርሻ ንምክራይ ኢሉ ኣስገዳድ ሰፈራ ምጅማሩ ዝነቅፍ ምኻኑ‘ውን ምንጭታት ይጠቅሱ።ካብ‘ቶም ሰብዓ ሽሕ ሰፈርቲ፣መብዛሕተኦም ኣባላት ሰበኽ ሳግም ኣኝዋክ‘ዮም።

ምንስትር ኮምንኬሽን ኢትዮዽያ ኣቶ በረከት ስምኦን ግና፣ሁማን ራይት ዋች ኣብ ጉዳይ መርየትን ሰፈራን መሰረት ዘይብሉ ሪፖርት ብተኸታታሊ ዓመታት ከምዘውፀአን፣ንዓና ይብሉ ንሶም፣ሕቶ ሰብኣዊ መሰላት ዘይኮነስ፣ ፖለቲካውን ኣረኣእያዊን መንቀሊ ዘለዎ‘ዩ ምስ በሉ፣

ኣቶ በረኸት ”እዛ ሃገር ኣብ‘ቲ ከባቢ ገና ኣብ ጥቅሚ ዘይዋዓለ ሰፋሕቲ መርየት ኣለዋ። ስለዚ መንግስቲ ኣብ ሕርሻ ዝዋፈሩ ኢንቨስተራት ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን የተኣላልሽ‘ዩ ዘሎ።ፀጋታታ ክትምዝምዝ ዘለዋ ድኻ ሃገር‘ያ ዘላትና።ሓደ ካብ‘ቶም ፀጋታትና ድማ መርየት‘ዩ።እንተኾነ እቲ ዝጠቀስዎ ኣሃዝ ኣዝዩ ዝተጋነነን፣ክሳብ ሎሚ ኣብ ሙሉእ ኢትዮዽያ፣450 ሽሕ ሄክታር መርየት ኢና ፈቂድና” ባሃላይ‘ዮም።

ካብ‘ቲ ኢትዮዽያ ዘለዋ 3 ነጥቢ 4 ሚልዮን ሄክታር ተሓራሳይ መርየት፣ ዛጊድ ኣብ ጥቅሚ ዝዋዓለ መርየት 42 ሽሕ ሄክታር ማለት ሓደ ነጥቢ 5 ሚእታዊ ምኻኑ፣ኣብ ኢትዮዽያ ዝርጋሐ መሓውራዊ ቅርፅታት የለን ክብል ዘውፀኦ መግለፂ ሓሶት ምኻኑ ጠቂሶም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ ኢትዮዽያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ዶናልድ ቡዝ፣ኣብ ጋምቤላ ነቲ ነዊሕ ትፅቢት ዝተገብረሉ ናይ ክልተ መዓልቲ መገሻ ፈፂሞም ኣለው።ካብ ኤምባሲ ዝተረኽበ መግለፂ፣ኣምባሳደር ቡዝ፣ምስ ክልላዊ ፕረዚደንት ኦማድ ኦባንግ ተራኺቦም፣ብዛዕባ ክልላዊ ምዕባለን ንግዳዊ ሕርሻ ከምዝተዘራረቡን ኣፍሊጡ።እቲ መግለፂ ወሲኹ፣ሚስተር ቡዝ፣ምስ ትካል ስደተኛታት ሕ/መ‘ውን ተራኺቦም ይብል።

XS
SM
MD
LG