ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስ ፕረዚደንት ክልል ጋምቤላ ዝተካየደ ቃለ-ምልልስ


ቅድሚ 9 ዓመት ዝተፈፀመ ቅትለት መገምገሚ ነጥቢ ኣይነበረን ኢሎም

ፕረዚደንት ክልል ጋምቤላ ኣቶ ኡመድ ኦባንግ ምስ ጉቦን ምቅታል ኣኝዋክን ብዝተኣሳሰረ ተገምጊሞም ካብ ኣቦ-መንበርነት‘ቲ ገዛኢ ፓርቲ ከምዝወረዱ፣ኣብ ምቅታል ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ኣኝዋክ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ‘ውን ተሓታታይ‘ዮም ኢሎም ዝብል ሓበሬታ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተቃለሐ ዝዝከር‘ዩ።ኣቶ ኡመድ ኦባንግ ግና እቲ ዝተቃለሐ ጠቀነ ሓቅነት ዘይብሉን ኣብ‘ቲ ገምጋም‘ውን ከምዘይተዘርበሉን ገሊፆም።

ዕላማ‘ቲ ኣብ ጋምቤላ እናተካየደ ዝቀነየ ገምጋም ክገልፁ ከለው ናይ‘ቲ ክልል ፕረዚደንት ኣቶ ኡመድ ኦባንድ፣ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ጋምቤላ፣ንህዝቢ‘ቲ ክልል ኩለመዳያዊ ተረባሒ ክገብር ኢሉ ዝተበገሰ ፖለቲካዊ ውድብ ምኳኑን፣መንቀሊ‘ቲ ገምጋም ከም ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት፣ድሕሪ ገምጋም ንኣዎንታዊን ኣሉታዊን ተግባራቱ መምዩ፣ነቶም ኣዎንታዊ ዓቂቡ ነቶም ኣሉታዊ ንምእራም ከምመስርሕ‘ዩ ዝጥቀመሉ ኢሎም።

“ድሕሪ‘ቲ ገምጋም፣ምትዕርራይ‘ቲ ፓርቲ ክግበር ከሎ፣ናይ‘ቲ ፓርቲ ኣቦ-መንበር ናይ‘ቲ ክልል ምክትል ፕረዚደንት ክኸውን፣ናይ‘ቲ ፓርቲ ምክትል ሊቀ-መንበር ድማ ናይ‘ቲ ክልል ፕረዚደንት ክኸውን‘ዩ ማለት‘ዩ።ፕረዚደንት ኮይነ ዘገልግለሉ ጊዜ ድማ ሽዱሽተ ወርሒ ይኹን ዝብል ውሳነ ኣይተዋሃበን” ኢሎም።

ኣቶ ዘመዴ ዘመድኩንን ኣቶ ኣለባቸው ንጉሴን፣ቅድሚ ትሻዓተ ዓመት፣ ንኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ኣባላት ኣኝዋክ ብምጭፍጫፍ ከምዝኸሰስዎም፣
ኣነ ክሕተት እንተኾይኑ ቀ/ሚ መለስን ካልኦት ሰበ-ስልጣን‘ውን ክሕተቱ ኣለዎ ከምዝበሉ እቶም ምንጭታትና ገሊፆም‘ዮም።

ከምኡ ኢሎም‘ዶ ተባሂሎም ኣቶ ኡመድ ክምልሱ ከለው”ኣብ‘ቲ ገምጋም ብዛዕባ 13 ታሕሳስ 2003 ዝተላዕለ ነገር ኣይነበረን። ስለምንታይ እንተበልኪ፣ ከም‘ቲ ኣቀድም ኣቢለ ዝጠቀስኩልኪ፣ቀንዲ መዘራረቢ ኣጀንዳ‘ቲ ገምጋም፣ ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብክልላዊ ምምሕዳርን ብውድብናን ዝተፈፀሙ ስራሕቲ ስለዝነበሩ።ስለዚ ክልቲኡ ነገራት ሕድ-ሕዱ ኣዝዩ ዝራፀም‘ዩ።ስለዚ እቶም ትጥቀሙሎም ዘለኹም ምንጭታት፣መደምደምታኦም ናይ ኣረኣእያኦም ነፀብራቅ̎’ምበር፣ንኩነታት ጋምቤላን ውድብናን ዘንፀባርቅ ኣይኮነን” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG