ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ጋምቤላ ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ 6-ሽሕ ሰባት ምዝንባሎም መንግስቲ'ቲ ክልል ኣፍሊጡ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ፈለግ ባሮ መሊኡ ዘስዓቦ ውሕጅ ኣብ ከተማ ጋምቤላን ትሸዓተ ወረዳታትን ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎም መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ጥዕናን ምኽትል ከንቲባ እታ ከተማን ኣቶ ሳይመን ቲያቺ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት 6-ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ምምዝባሎምን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲን ንቁጽ ኣብ ዝኾነ ከባቢን ከም ዝርከቡ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ብተመሳሳሊ ከኣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ምስ ክረምታዊ ዝናብ ብዝተሓሓዘ ክስዕብ ዝኽእል ውሕጅ ኣብ ልዕሊ 270- ሽሕ ሰባት ጉድኣት ከውርድ ከምዝኽእል ቤት ጽሕፈት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት(ኦቻ) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG