ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ጋምቤላ ብውሑዱ 30 ስደተኛታት ብሰንኪ ጥምየት ምሟቶም ኮሚሽን ሰ/መሰላት ኣፍሊጡ


መዓስከር ስደተኛታት ጋምቤላ - ፋይል
መዓስከር ስደተኛታት ጋምቤላ - ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ብውሕዱ 30 ስደተኛታት ብሰንኪ ጥምየት: መግቢ ንምድላይ ካብ ካምፕ ድሕሪ ምውጽኦም ብዘጋጠሞም መጥቃዕቲ ከም ዝሞቱ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ጋምቤላ ዝርከቡ ናብ 400-ሽሕ ዝጽግዑ ስደተኛታት ወሲኽካ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ንዝኸፍአ ጥምየትን ጉድለት ስሩዕ ምግብናን ተቓሊዖም ከም ዝርከቡ`ውን እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ`ሎ።

ጠንቂ`ቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም፡ ለገስቲ ትካላት ዓለም ቀረብ ምቁራጸን ምዃኑ ንድምጺ ኣመሪካ ዝጠቐሰት ምኽትል ዋና ኮሚሽነር ራኬብ መሰለ፡ ህጹጽ ፍታሕ ከም ዘድሊ ተዛሪባ`ላ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ግጭትን ኣብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ግጭትን ንቑጽሪ ተሓገዝቲ እናጋደዶ ምዃኑ`ውን ጠቒሳ`ላ።

ሓላፊ ርክባት ህዝቢ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ኣቶ ብኣካል ንጉሴ ብወገኑ፡ ረድኤት መግቢ ምቁራጹ ነቶም ስደተኛታት ንጥምየት ካብ ምቅላዕ ሓሊፉ ናይ ጸጥታ ስግኣት `ውን ምፍጣሩ ተዛሪቡ`ሎ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ናይ ትካል ረድኤት ኣመሪካ ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይዲን፡ ቀረባት ረድኤት ይስረቕ ኣሎ ብዝብል ካብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ድማ ንምሉእ ኢትዮጵያ ዝህብዎ ዝነበሩ ናይ መግቢ ሓገዝ ጠጠው ከም ዘበልዎ ይዝከር። እቲ ረድኤት ብግቡእ ናብ ተጸበይቲ ምብጽሑ ምስ ኣረጋገጹ ግን እቲ ምውሃብ ረዳኤት ከም ዝቕጽልዎ`ውን ኣፍሊጦም`ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG