ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ጋምቤላ -- ብምልውዋጥ ተዅሲ ሓይልታት መንግስቲን ዕጡቓትን 11 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ፣ ፍሉይ ወረዳ ኢታንግ ዝሓለፈ ሰንበት 4 ግንቦት 2016 ዓ.ም፡ ኣብ መንጎ ዕጡቓትን ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ብዝተወለዐ ግጭት 11 ሰባት ምሟቶም ቤት ጽሕፈት ሰላምን ፀጥታን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ባጓል ጆክ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ በቲ ዘጋጠመ ግጭት ዝሞቱ ሸሞንተ ሰባት ካብቲ ማሕበረሰብ፡ ሰለስተ ሰባት ድማ ካብ ሓይልታት ፀጥታ ክዀኑ እንከለዉ፡ 23 ሰባት እውን ከም ዝቖሰሉ ሓቢሮም። ኣቦ-መንበር ደሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጋምቤላ ዝተባህለ ተቓዋሚ ውድብ ዝኾኑ ኣቶ ሳይመን ቱት ብወገኖም፡ ብዘይካ እቶም ዝተቐተሉ ሰባት፣ ነቲ ግጭት ስዒቡ 15-ሽሕ ነበርቲ ከም ዝተመዛበሉ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃለመሕትት ገሊፆም። ቤት ጽሕፈት ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ እቲ ክልል ግን ብዝሒ ተመዛበልቲ 10-ሽሕ ምዃኑ’ዩ ዝገልፅ። ነቲ ግጭት ስዒቡ ኣብቲ ክልል ኣብ መንጎ ፍሉይ ወረዳ ኢታንግን ከተማ ጋምቤላን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ተዓናቒፉ ከምዘሎ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG