ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ጋምቤላ ዕጡቓት ብዝፈነውዎ መጥቃዕቲ 9 ሰባት ቆሲሎም


ከተማ ጋምቤላ
ከተማ ጋምቤላ

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ጋምቤላ፣ ዝሓለፈ ዓርቢ፣ 30 ግንቦት 2016 ዓ.ም፣ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሓደ መዘናግዒ ብዝኸፈቱዎ ተዅሲ ትሸዓተ ሰባት ከምዝቖሰሉ ነበርቲ እታ ከተማ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም። ንድሕነቱ መንነቱ ከይጥቀስ ዝሓተተ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ እቶም ዕጡቓት ክዳን ፖሊስ ዝተኸድኑ ምንባሮም ሓቢሩ። ሓላፊ ቀዳማይ ደረጃ ሆስፒታል ከተማ ጋምቤላ ኣቶ ሮን ጎኝ ብወገኖም፡ እቶም መጥቃዕቲ ዘጋጠሞም ትሸዓተ ሰባት ሕክምናዊ ሓገዝ ይግበርሎም ከም ዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ ካብ መንጎኦም ሓደ ግን ንዝለዓለ ሕክምና ንኣዲስ ኣበባ ምልኣኹ ሓቢሮም።

ፈፀምቲ መጥቃዕቲ ዛጊት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘይወዓሉ ሰብ-መዚ ኣመልኪቶም። ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ከም ዝበፅሖ ዝገለጸፀ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ድሕሪ ግቡእ ምፅራይ፡ ውፅኢት መርመራኡ ወግዓዊ ከም ዝግበር ገሊጹ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG