ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ጋምቤላ 14 ሰበ-ስልጣን ተቐዪዶም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ፡ ምስቲ ኣብ ወረዳታት ጆርን ኢታንግን ተወሊዑ ዝነበረ ግጭት፣ ርክብ ኣለዎም ዝተባህሉ 14 ኣባላት ኣመራርሓን ሓደ ውልቀሰብን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝቢ እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ካብ መንጎ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ዝተባህሉ ሰባት፣ እቶም ክልተ ናይ ዞባታት ሰበስልጣን ክኾኑ ከለው እቶም 12 ድማ ሓለፍቲ ወረዳታት ከምዝኾኑ ዝሓለፈ ቀዳም 5 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም ዝወፀ መግለፂ እቲ ክልል ይሕብር። ክልል ጋምቤል ጉዳዮም ይርአ ምህላዉ ይሕብር።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልል ጋምቤላ፣ ብተደጋጋሚ ዝውላዕ ዘሎ ግጭት መፅናዕቲ ከም ዝገበሩ ዝሓበሩ ኣቶ ቦጋለ ኣሊጋዝ ድማ፡ እቲ ፀገም ንሰበስልጣን ብምብራርን ብምእሳርን ኣይፍታሕን ይብሉ። መብዛሕትኡ እዋን፣ እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ብሄራት ኣኙዋክን ኑዌርን ከም ዝውላዕ ዝሓበሩ ኣቶ ቦጋለ፡ “መንቀሊኡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማትን ኣብቲ ክልል ፖለቲካዊ ስልጣን ንምውናንን ዝግበር ንሕንሕን ስለ ዝዀነ ብህዝባዊ ዘተን ዝርርብን ጥራይ’ዩ ክፍታሕ ዝኽእል፡” ኢሎም።

መንግስቲ ክልል ጋምቤላ፣ ቅድሚ ሰሙን፣ ኣብቲ ክልል ሰላምን ፀጥታን ኣብ ምስፋን ሓላፍነቶም ኣይተዋፅኡን ንዝበሎም፣ ኣርባዕተ ሰበስልጣን ካብ መዝነቶም ከም ዝኣለየ ምግላፁ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG