ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ጋምቤላ ሰዓታት እቶ እቶ ምእዋጁ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ኣፍሊጡ


 ከተማ ጋምቤላ
ከተማ ጋምቤላ

ኣብ ክልል ጋምቤላ፣ ሰዓት እቶ እቶ ምእዋጁ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን’ቲ ክልል ኡገቱ ኣዲንግ ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ ሰዓት ክልተ ናይ ምሸት ክሳብ ንጉሆ ሰዓት ሓደ ዝትግበር ሰዓት ሕላፍ፣ ንኣምቡላንስን መካይን ኣኽበርቲ ጸጥታን ከምዘይምልከት እቲ ዜና ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ወርሒ፣ እቲ መንግስቲ ሸኔ ብምባል ዝጽውዖ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ውድብ ምስ ግንባር ነጻነት ጋምቤላ ተሓባቢሮም፣ ኣብ ከተማ ጋምቤላ ምስ ሓይልታት መንግስቲ ከምዝተታኾሱ ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG