ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ኣስገደ ገ/ስላሰ ዝሰነዳ መፅሓፍ ምስ ጉድለታታ ትናኣድ'ያ ይብል ኣቶ በላይ ገሰሰ


ኣስገደ ብዓይኑ ዝራኣዮ ጥራሕ'ዩ ሰኒዱ'ውን ይብል

ህወሓት ምስ ሻዕብያ ብጠንቂ ዝመስረቶ ርክብ ንዝወረደ ጥፍኣት ህዝቢ ትግራይ ኣይሕተተሉን ይብል ኣቶ ባላይ ገሰሰ

ኣቶ ኣስገደ ኣብ'ታ ጋህዲ ዘርእስታ መፅሓፍ ንህዝብን ተገዳላይን ትግራይ ሓሽከር ሻዕብያ ኢሉ ገሊፅዎም'ዩ ዝብል ናይ ገለ ወገናት ኣተናትና ሙሉእ ንሙሉእ ጌጋ'ዩ።ንምንታይ - ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ዓፅምን ስጋን ባሕርን ዓሳን ናይ ሓደ ታዕሪፋ ክልተ ገፅ'ዮም ኢልካ ህወሓት ምስ ሻዕብያ ንዝገበሮ ጥቅሚ ህዝብን ረብሓን ህልውናን ሃገርን ኣሕሊፉ ዝህብ ናይ ክሕደት ስራሕቲ ህዝቢ ትግራይ ተሓታታይ ክኽውን ኣይኽእልን'ዩ ይብል ኣቶ በላይ ገሰሰ።

ንሱ ወሲኹ - ኣቶ ኣስገደ'ውን ነዚ ፈልዩ እዩ ኣቕሚጡዎ።ተኸላኻላይ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ፡ ጥብቅና ሒዙ'ውን'ዩ ተላዒሉ።ኣቶ ኣስገደ ጀግንነት ሓፋሽ ተጋዳላይ፡ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ ሃገርን ህዝብን ዝወረደ ጉድኣት፡ ሚዛናዊ ብዝኾነ መንገዲ ኣቕሚጥዎ'ዩ ይብል።

ካልኣይ ክፍሊ ቃለ-መጠይቅ ምስ ኣቶ በላይ ገሰሰ ኣብ ናይ ሶኒ መደብና ወይ ካኣ ኣብ የማናይ ላዕለዋይ ፀግዒ ኣዳምፁ

XS
SM
MD
LG