ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቐባልነት ጋዳፊ ኣብ መብዛሕቲኡ ዞባ ሳሕል ኣፍሪካ ዝለዓለ ኮይኑ ከምዝቐፀለ ተፈሊጡ


ጋዳፊ ኣፍሪካዊያን ነኒ ባዕሎም ንኽቀታተልሉ ኣፅዋር ይሸጡ ስለዝነበሩ እቶም ናይ ሊብያ መራሒ ዝነበሩ ምማቶም ሕጉስ ከምዝኾነ ካሊእ ነጋዳይ ይዛረብ

ኣንፃር ሞኣመር ጋዳፊ ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ውግእ ይካየደሉ ኣብዝነበረሉ እዋን ኣብ መብዛሕቲኡ ከባቢ ናይ ኣፍሪካ ሳሕል ናይ ጋዳፊ ተቐባልነት ዝለዓለ ኮይኑ’ዩ ቐፂሉ።

ናይ ሞኣመር ጋዳፊ ኣብ ከባቢ ሳሕል ዝነበሮም ተቐባልነት ነዊሕ ዝፀንሐ ኣብ ህዝባውን ውልቃውን ፕሮጀክትታት ብዝመወልዎ ኢንቨስትመንትን ከምኡ’ውን ንኣፍሪካ ጠጠው ዝበሉ እዮም ዝብል ስምዒትን ብምንባሩ እዩ።

ኣብ ዋና ከተማ ቡርኪናፋሶ ኡጋዱጉ ነጋዳይ ማሪየስ ናቫሮ ኣፍሪካ ብዘይካ ጋዳፊ ዝደኽየት ክትኸውን እያ ይብል።

ናቫሮ ከምዝበሎ ናይ ጋዳፊ ሞት ንኣፍሪካ ዓብይ ኺሳራ እዩ፡ንኣፍሪካ የበርክትዎ ዝነበሩ ወፈያ እታ ኣህጉር ከምዝጎድላ ኣየጠራጥርን ይብል።

ኣዳማ ባዳሜ ዝተብሃለ ነጋዳይ ግን ጋዳፊ ኣፍሪካዊያን ነኒ ባዕሎም ንኽቀታተልሉ ኣፅዋር ይሸጡ ስለዝነበሩ እቶም ናይ ሊብያ መራሒ ዝነበሩ ምማቶም ሕጉስ ከምዝኾነ ይዛረብ።

ሰኔጋላዊ ሃይማኖታዊ መራሒ ኣሕመድ ኸሊፋ ኒያሰ ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ጋዳፊ ፖለቲካዊ ኣማኻሪ እዮም ነይሮም።ንሶም ብዛዕብኦም ከምዚ ይብሉ። ‘’ጋዳፊ ብኽብሪ እዮም ሓሊፎም።ኣብ ሃገሮም፡ኣብዝተወለዱላ ዓዲ እናተዋግኡ፡ወፃእይተኛታት ድማ ብሰማይ እናጥቕዑዎም እዮም ሞይቶም።’’

ናይጀሪያዊ ተቓላሳይ ሰብኣዊ መሰላት ሸሁ ሳኒ ኣማውታ ጋዳፊ ስውእ ከምዘብሎም፡ናብ ፍርዲ እንተዝቐርቡ ግን ንሶም ዝፈፅምዎ ግፍዒታት ምተቓልዑ ነይሮም ይብሉ።

እቶም ሃይማኖታዊ መራሒ ብወገኖም ሓድሽ መንግስቲ ሊብያ ነታ ሃገር ንምምራሕ ከፀግመሎም እዩ፡ስለ ምንታይ ስልጣን ካብ ህዝቢ ሊብያ ከይኮነስ ካብ ናይ ጋዳፊ ፀላእቲ ዝኾኑ ካብ ኣውሮፓዊያን እዩ ተዋሂቡዎም ይብሉ።

ኣብ ሊብያ ህዝባዊ ዓመፅ ነይሩ እዩ።ናይ ኔቶ ምትእትታው ግን ናይ ወፃኢ ሓገዝ ካብ ዘይነበሮ ካብ ናይ ቱኒዝያን ግብፅን ዝተፈለየ ይገብሮ።

Recommended

XS
SM
MD
LG