ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ዕልዋ ጋቦን ቃለ መሓላ ፈጺሙ


ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ን55 ዓመታት ዝጸንሐ መዝነት ስድራ-ቤት ቦንጎ ንምእላይ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ጋቦን ዝመርሐ ጀነራል “ፕረዚደንት መሰጋገሪ እዋን” ተባሂሉ ንውሓቱ ንዘይተነፀረ እዋን ነታ ሃገር ክመርሕ ሎሚ ሰኑይ 4 መስከረም 2023 ቃለ መሓላ ብምፍፃም መዝነት ሒዙ'ሎ ።

ጀነራል ብሪስ ኦሊጉ ንጉማ ሓላፊ ፍሉይ ኣሃዱ ሓለዋ ዝነበረን ነቲ ኣንፃር’ቶም ንሶምን ስድረኦምን ንጋቦን ንልዕሊ 50-ዓመታት ዝመርሑ ፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎን ንምእላይ ዝተኻየደ ወታሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ዝመርሐን’ዩ።

እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝተገብረ 64-ዓመት ዝዕድሚኦም ቦንጎ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ምዕዋቶም ድሕሪ ምግላጾምን ተቃወምቲ ኸኣ ምድንጋር ዝነበሮ ውፂኢት ክብሉ ድሕሪ ምኽሳሶምን’ዩ።

ብመሰረት ፀብፃባት ኣብ እዋን’ቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝፈሰሰ ደም ኮነ ዝወረደ ጉድኣት የለን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG