ዋሽንግተን ዲሲ —
ኮሚሽን ምርጫ ጋቦን፡ ፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ ተዓዋቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ወታሃደራውያን መኮነናት'ታ እቲ ምርጫ ውዱቕ ምዃኑን ፕረዚደንት ቦንጎ ድማ ካብ ስልጣን ምእላዩን ኣፍሊጦም። እቶም ዕልዋ ዝፈጸሙ መኮንናት፡ ፕረዚደንት ቦንጎ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከም ዘሎ ሓቢሮም ኣለው።
ካብቲ ካብ 1967 ኣትሒዙ ነታ ሃገር ዝመርሐ ኣቦኡ ዖመር ቦንጎ ኣብ 2009 ስልጣን ዝተረከበ ዓሊ ቦንጎ፡ ኣብቲ ቀዳም ዝተኻየደ’ሞ ብዙሕ ዘዘራርብ ምርጫ’ዩ ንሳልሳይ እብረ ከም ዝተመርጸ ኣፍሊጡ።
ኣብ እዋን ምርጫ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብመጠኑ ምጅማሩ ተፈሊጡ ኣሎ። ፈለማ ኣብ ርእሰ-ከተማ ሊቨርቪል ተዅሲ ምስማዑ ዝሓበሩ ምንጭታት፡ ድሕሪኡ ግን ህዝቢ ንምእላይ ፕረዚደንት ቦንጎ ንምንጽባል ናብ ጎደናታት ከም ዝወሓዘ ኣፍሊጦም።
ፕረዚደንት እታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት፡ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ እትርከብ ጋቦን ዝዀነት ዓሊ ቦንጎ፡ ኣብ ፈለማ 2019’ውን ንተመሳሳሊ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዘፍሸለ ይዝከር።
ቅጥዒ