ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ መሪሕነት ጋቦን፡ ዓሊ ቦንጎ ካብታ ሃገር ወጻኢ ንኽሕከም ፍቓድ ይህቡ


ፋይል
ፋይል

ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዙ ወታሃደራዊ ጁንታ ጋቦን፡ መራሒ እታ ሃገር ነበር ዓሊ ቦንጎ ካብቲ ዝነበሮ ናይ ገዛ ማሕዩር ወጺኡ ኩነታት ጥዕናኡ ክከታተል ከም ዝኽእል ኣፍሊጦም። እቶም ወታሃደራውያን ኣዘዝቲ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኵነታት ጥዕናኡ ንምክትታል፡ ተዳልዩ እንተዀይኑ፡ ወጻኢ ሃገር ከይዱ ኣመት ሕክምናኡ ክግበር ከም ዝኽእል’ውን ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ነበር ዓሊ ቦንጎ ኣብ 2018 ብዘጋጠሞ ብወቕዒ (ስትሮክ) ናብ ሕክምና ኣትዩስ ንኣዋርሕ ክሰርሕ ከም ዘይከኣለ መዛግብቲ ሕክምናኡ ይሕብሩ። ሕጂ ናይቲ ድሕሪ ምዕላዉ፡ ኣብ ገዛ ኰይኑ “ድምጺ ግበሩ” ኢሉ ዝምሕጸን ዝነበረ ወዲ 64 ፕረዚደንት ነበር ኩነታት ጥዕና ንጹር የሎን። እቶም ወታሃደራውያን ኣዘዝቲ ግን ካብ ገዛ ክወጽእ ዘፍቀዱ ኩነታት ጥዕናኡ ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኖም ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ እቲ ወታሃደራዊ ጁንታ፡ ኣብታ ሃገር ንዝነበሩ ሓያሎ ናይ ፖለቲካ እሱራት ናጻ ለቒቑ ኣሎ። እቶም ካብ ማእሰርቲ ዝተለቐቑ መብዛሕትኦም ብዘይ ፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ’ዮም። ምኽንያት ማእሰርቶም ፖለቲካዊ ምኽንያትን ምስ ስድራቤት ቦንጎ ዘይምርድዳእን ምዃኑ ብሰፊሑ ይዝረብ።

ኣቐዲሙ ኣማሓዳሪ ርእሰ-ከተማ ሊቨርቪል፡ ድሒሩ ድማ ኣባል ፖሊትቢሮ ደሞክራሲያዊ ሰልፊ ጋቦን ዝነበረ ሊንድረ እንዙወ ሓደ ካብቶም ናጻ ዝተለቐቑ ናይ ፖለቲካ እሱራት’ዩ። እንዙወ ነቲ ሓድሽ መሪሕነት ካብቲ ዝጸበዮ ዝነበረ ናይ 10 ዓመታት ኣሰቃቒ ማእሰቲ ስለ ዘናገፎ ድሕሪ ምምስጋን፡ ህዝቢ ጋቦን ነቲ መሪሕነት ክድግፎ ተማሕጺኑ ኣሎ። ጋቦን ናይ መንገዲ ደሞክራሲ ክትጓዓዝ ናይ ኵሉ ዜጋ ኣበርክቶ ክሕወሶ ድማ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

ቴለቪዥን ጋቦን፡ እቶም ናይ ፖለቲካ እሱራት ናጻ ድሕሪ ምውጻኦም፡ ህዝቢ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ክጽንብልን ነቲ ሓድሽ መሪሕነት ዘለዎ ድጋፍ ክገልጽን የርኢ ነይሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰኑይ ቃለ-መሓለ ዝፈጸመ መራሒ ዕልዋ ብሪስ ንጉማ፡ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ናይ ፈለማ ኣጋይሽ ሃገር ተቐቢሉ ኣሎ። እቲ ብሰሉስ ናብ ጋቦን ዝበጽሐ ልኡኽ ብፕረዚደንት ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ ፋውስቲን ቶደራ ዝምራሕ ኰይኑ ንደምበ ምትሕግጋዝ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኤኮዋስ) ወኪሉ’ዩ ተጓዒዙ። ዕላማ እቲ ልኡኽ ምስቲ መራሒ ዕልዋን ሓድሽ መራሒ ሃገር ብቐረባ ንምዝርራብ ምዃኑ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ያውንደ ካሜሮን ዝለኣኾ ጸብጻብ ይሕብር። ደምበ ኤኮዋስ፡ ክሳብ ወታሃደራዊ ምትእትታው ክግበር ደጋጊሙ ከጠንቅቕ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ዛጊት ግን ኪንዮ ማዕቀብ ዝኸይድ ስጕምቲ ኣይወሰደን። ኣቐድም ኣቢላ ተመሳሳሊ ዕዋል ዝተራእያ ኒጀር’ውን እቲ ኩነታት ተመሳሳሊ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG