ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብጉጅለ G20 ዝፍለጣ ሃገራት ኣብ ጉባኤ ለውጢ ክሊማ ስጉምቲ ክወስዳ ጻውዒት ቐሪቡ


ጉባኤ ለውጢ ክሊማ ሕቡራት ሃገራት ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ግብጺ ክቃናዕ'ዩ። እቲ ጉባኤ ዝካየድ ዘሎ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብደርቂ ኣብ ዝጥቀዓሉን ብፍላይ ድማ ሶማል ኣብ ናይ ዓጸቦ ስግኣት ኣብ ዝወደቐትሉን እዋን`ዩ።

ኣፍሪቃ ተቃጽሎ ካርቦን 4% ጥራሕ እንተኾነ`ኳ፡ ብዓለማዊ ዋዒ፡ ስእነት ውሕስነት መግቢ፡ ብግጭትን ሕሱም ኩነታት ኣየርን ትሳቐ ዘላ ኣህጉር ምዃና ድማ ተዓዝብቲ ይገልጹ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ተፈጥሮ ከባቢ ዘውጽኦ ሪፖርት ከምዘመልክቶ፡ ውዕል ፓሪስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ 2015 ዝተተለመ ሸቶ ንምዕዋት፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዙሕ ተሪፍዎ`ሎ።

መንግስታት፡ ንብተና ካርቦን ንምንካይ ዝነበሮም መደብ ገና መስመሩ ኣይሓዘን፡ መራሕቲ ከባቢያዊ ተፈጥሮ`ውን፡ እተን ዝማዕበላ ሃገራት ዝብሃላ፡ ብዙሕ ክገብራ ትጽቢት ከምዝግበረለን ይገልጹ።

ምስ ድምጺ ኣመርካ ቃለ-መሕተት ዘካየደ ዳይሬክተር ተፈጥሮ ከባቢ ኢንገር ኣንደርሰን፡ ለውጢ ክሊማ ይንህር ኣሎ፡ ብእኡ መጠን ድማ ንምዕጻፉ ጻዕርታት ክሕይል ይግባእ ይብል።

“75% ዝተቓጸለ ካርቦን ካብተን ብG-20 ዝፍለጣ ብቁጠባ ዝዓበያ ሃገራት`ዩ ዝመጽእ: ንምንካዩ ብዙሕ ክሰርሓ ኣለወን። ኣብ ሺርማል ሸኽ ግብጺ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ድማ ዝያዳ ንዛረበሉ፡ እዚ ክኸውን ኢና ንደልዮ። ብድጋፍ ገንዘብ ኮነ ብመዳይ ምጉዳል ዝተቓጸለ ትኪ፡ ስጉምትታት ክወስዱ ንጽበዮም።”

ታንዲለ ቺንያቫንሁ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተሓላቒ ግሪንፒስ ማለት ሓምላይ ሰላም ዝተባህለ ትካል: ኣፍሪቃ ናብቲ ብተና ካርቦን ዓለም ትሑት ግደ`ዩ ዘለዋ እንተኾነ ንሳዕቤናት ለውጢ ክሊማ ዝያዳ ተቓሊዓ ዘላ ድማ ንሳ`ያ ይብል።

“ኣብዛ ኣህጉር ዘሎ ጸገም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንርእዮ ዘለና`ዩ። ንራብዓይ ተኸታታሊ ዓመታት ዝናብ ዘይርኣየ ከባቢ`ሎ።ከፊል ደረቕ ዝብሃል ከባብታት ኬንያ`ውን ከምኡ። ከም ማውርታንያን ናይጀርያን ዝበላ ድማ ብውሕጅ ክህሰያ ንርኢ ኣለና። ክሳብ 1.3 ሚልየን ህዝቢ ዝፈናቐልሉ ኩነታት`ዩ ዘሎ። ኣብዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ`ውን ርኢናዮ ኢና።”

ኣብ ግብጺ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ዘሎ መበል 27 ጉባኤ ለውጢ ክሊማ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ጉዳይ ምጉዳል ዓለማዊ ዋዒ ቀጻሊ ልዝባት ክገብር ዕድል ዝህብ`ዩ።

ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ዕቃበ-ተፈጥሮ ዝተባህለ ከባቢ ዳይሬክተር ፖሊሲን መንግስታዊ ዝምድናታትን ሙታሪ ኣሚኩ ካኖ ከምዚ ይብል።

“ዓለም ኣብ ግብጺ ክትእከብ ከላ፡ እቲ ዘሎ ትጽቢት፡ ተሳተፍቲ ነቲ ዘሎ ቅልውላው ክሊማ ንክርእዩ`ዩ። ንሱ ድማ ምስግጋር ተክኖሎጂ፡ ህንጸት ዓቕሚ ሰብ፡ ከምኡ ምምዳብ ገንዘባዊ ምንጪ የጠቓልል። ብዘይካ`ዞም ሰለስተ ረቛሒታት፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ኣየር ዝብተን ዘረባ ጥራይ ኮይኑ`ዩ ክተርፍ”

ዳይሬክተር ተፈጥሮ ከባቢ ሕቡራት ሃገራት ኢንገር ኣንደርሰን ብወገኑ፡ ቅድሚ ሎሚ`ውን፡ ተሓዳሲ ጸዓት፡ ጸሓያዊ ጸዓት፡ ናይ ኤለክትሪክ መካይን፡ ትሑት ጸዓት ዝጥቀሙ ህንጻታት፡ ከምኡ ቅርጡዋት ትሕቲ ቅርጺ ዝበሉ ኣድማዕቲ ተበገሶታት ርኢና ኢና ድሕሪ ምባል፡ ንዕኦም እናሓየልና ንቕድሚት ንሰጉም ይብል።

መራሕቲ ለውጢ ክሊማ ኮነ ተሓለቕቲ ሓለዋ ተፈጥሮ፡ እተን ዝያዳ ካርቦን ናብ ኣየር ዝተፍኣ ሃገራት፡ ህንጡይ ግን ከኣ ብትግባረ ዝተሰነየ ንጹር ስጉምቲ ክወስዳ ይጽውዑ`ለዉ ።

XS
SM
MD
LG