ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ምዕቡላት ሃገራት፣ናብ ሓባራዊ ምርድዳእ በፂሖም ኢሎም ፕረዚደንት ኦባማ


”ቁጠባዊ ቅልውላው ኤውሮዻ ንምቅልባስ ዝካኣል፣ዝያዳ ዕድል ስራሕን ዝያዳ ምዕባለን ምስ ዝረጋገፅ ምኻኑ” መራሕቲ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ተረዳዲኦም ኢሎም ፕረዚደንት በራክ ኦባማ።

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣በጀት ምስላዕ በይኑ ንቁጠባ ኣውሮዻ ፈውሲ ክፈጥር ኣይኽእልን ዝብል ሓባራዊ ምርድዳእ ኣሎ ኢሎም።

”ብመንፅር ፋይናንሳዊን መሓውራውን ለውጢ፣ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ንምዕባለ ምትብባዕንን ዕድል ስራሕ ምፍጣርን፣ቀዳምነት ክዋሃቦ ከምዝግባእ ሓባራዊ ምርድዳእ ተበፂሑ‘ሎ” ኢሎም ኦባማ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ኣብ ኣፍሪቃ ውሕስና መግቢ ንክማሓየሽ ዝካኣለሉ ዕድል ምስ መራሕቲ ቤኒን፣ኢትዮዽያ፣ጋንና ታንዛንያን ተማኺሮም።

ሚስተር ኦባማ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ጉጅለ ሸሞንተ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ብመንግስታት ንክልገስ መብፃዓ ንዝተኣተወ ተበግሶ ፳፪ ቢልዮን ዶላር ሎሚ‘ውን ኣብ ቦትኡ ኣሎ ኢሎም።

ንኣፍሪቃ ወኪሎም ኣብ‘ዚ ንውሕስነት መግቢ ኣፍሪቃ ዝዘተየ ኣኼባ ዝተሳተፉ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ፣ፕረዚደንት ጃካያ ኪክዌቴ፣ፕረዚደንት ጆን ኣታ ሚልስን፣ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ያያ ቦኒን‘ዮም።

XS
SM
MD
LG