ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ንቀ/ሚ መለስን 3 ካልኦት መራሕቲን ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ዓዲሞም


ኦባማ ቅድሚ ምጅማር ዋዕላ ጉጅለ ሸሞንተ
ኦባማ ቅድሚ ምጅማር ዋዕላ ጉጅለ ሸሞንተ

ውሕስነት መግቢ፣ደርቂን ጥምየትን መዘራረቢ ክኾኑ'ዮም

ናይ ሎም-ዘበን ኣተኣናጋዲ ኣኼባ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት (ጂ-፰) ዝኾኑ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ውሕስነት መግቢ ኣፍሪቃ ኣብ ኣጀንዳ ክኣቱ ገይሮም‘ዮም።ስካት ስተርንስ ተወሳኺ ኣለዎ።

ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ዓመታዊ ናብ ኣፍሪቃ ብሓገዝ መልክዕ ይኣቱ‘ውን እንተሃለወ፣እታ ኣህጉር ብተደጋጋሚ ሕፅረት መግቢ ትሳቀ።ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓሚ ብከቢድ ደርቂ ክውቃዕ ከሎ፣ሶማልያ ድማ ንጥምየት ተቃሊዓ።ሰፊሕ ከባቢ ምዕራብ ኣፍሪቃ‘ውን ሕፅረት መግቢ ኣጓኒፍዎ‘ሎ።

ከምኡ ኮይኑ‘ውን፣ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ንመራሕቲ ኣርባዕተ ሃገራት ማለት ንፕረዚደንት ቤኒን ቦኒ ያዪ፣ንቀ/ሚ ኢትዮዽያ መለስ ዜናዊ፣ ንፕረዚደንት ታንዛንያ ያኪያ ኪክዌቴን ንፕረዚደንት ጋና ጆን ኣታ ሚልስን ዓዲሞምዎም‘ለው።

እቶም መራሕቲ ምስ ሓለፍቲ ንግድን ሲቪላዊ ማሕበራትን ክራኸቡን፣ኣብ ሕርሻዊ ምዕባለን ውሕስነት መግቢ ኣብ ኣፍሪቃን ክዘራረቡን‘ዮም።

ኣብ ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ጆንይ ካርሰን፣እቲ ኣኼባ ኣካል‘ቲ ፕረዚደንት ኦባማን ምምሕዳሮምን ኣብ ፕሮጀክታት ኣፍሪቃ ንክነጣጠፉ ዘለዎም ተበግሶ‘ዩ ይብሉ።

እቶም መራሕቲ ፅባሕ ዓርቢ ኣብ‘ቲ ብቤት ፅሕፈት ዓለም-ለኻዊ ጉዳያት ቺካጎ ዝተዳለወን ምስ ኣፍሪቃ ሓድሽ መብፃዓታት ንሕርሻ ኣፍሪቃ ኣብ ዝመክር ኣኼባ ክሳተፉ መደብ ኣሎ ኢሎም ጆኒ ካርሰን።ከምኡውን ብጠንቂ ዓለም-ለኸ ቁጠባዊ ቅልውላው ንዝተላዕለ ፀገም ጥምየትን ድኽነትን ከልዕሉ‘ዮም።

ጆኒ ካርሰን ኣብ ዘረበኦም፣ምምሕዳር ኦባማ ዝጀመሮ ፕሮጀክት ”ቀልብ ንመፃኢ”፣ከም‘ቲ ኣብ ስሳታትን ሰብዓታንን ኣብ ላቲን ኣሜሪካን ኤስያን ተካይዱ ውፅኢታዊ ዝኾነ ወፍሪ ፀረ-ጥምየት፣ኣብ ኣፍሪቃ‘ውን ንምድጋም ምኻኑ ይጠቅሱ።

ካርሰን ወሲኾም ”ኣፍሪቃ ኣብ ሕርሻ ሰፊሕ ዕቁር ዓቅሚ ኣለዋ።ኣፍሪቃ ንሕፅረት መግቢ ትቃለዐሉ ምኽንያት ፈፂሙ ክህሉ ኣይኽእልን።ካብኡ ሓሊፋ‘ውን ካብ ንርእሳ ሓሊፋ ንካልኦት ሕልፊ ምህርቲ ዘይትሓፍሰሉ ምኽንያት የለን”።

ፅባሕ ዓርቢ ዝካየድ ኣኼባ መራሕቲ፣ነቶም ንሕፅረት መግቢ ዝያዳ ዝተቃልዑ ሓምሳ ሚልዮን ሰባት ብሕርሻ ንምድጋፍ ክመክር‘ዩ።ኣብ ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ኣስታት ሰማንያ ሚእታዊ መግቢ ዝፈርይ ብናእሽቱ መርየት ዝሓርሱ ሰባት ምኻኑ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG