ዋሽንግተን —
ዋዕላ መራሕቲ ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ-7 ሎሚ ሓሙስ ኣብ ኢጣልያ ይቓናዕ ኣሎ። ቀንዲ ዛዕባ'ቲ ዋዕላ ኣብ ጉዳይ ኵናት ዩክሬን፡ ቅልውላው ቓዛ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ጉዳይ ስደትን ሰብ-ሰርሖ ብልሒን ከምዝርከብዎ ተሓቢሩ'ሎ።
መራሕቲ ብቑጠባ ዝማዕበላ ጉጅለ-7፡ ዩክሬን ድሕሪ እቲ ምስ ሩሲያ ንልዕሊ ኽልተ ዓመት ዘካየደቶ ኲናት ንናይ ምክልኻል ባጀት ከምኡ እውን ኣብ ዳግመ ህንፀት ንምሕጋዝ ኪቭ 50- ቢሊዮን ዶላር ብህፁፅ ክትልቃሕ ከምዘለዋ ክሰማምዑ ተስፋ ገይሮም ኣለው።
እቲ ልቓሕ ካብቲ ብምዕራባዊያን ዘደስከልኦ 325-ቢልዮን ዶላር ማእኸላይ ባንኪ ሩሲያ ኮይኑ ካብ ወለድ ነፃ እዩ ክኸውን።
ቅጥዒ