ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ አኼባ ሸውዓተ ብኢንዳስትሪ ዝበልጸጋ ሃገራት ተዓዲሞም


ቀ/ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ አኼባ ሸውዓተ ብኢንዳስትሪ ዝበልጸጋ ሃገራት ተዓዲሞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:41 0:00

ቀ/ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ አኼባ ሸውዓተ ብኢንዳስትሪ ዝበልጸጋ ሃገራት ተዓዲሞም

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ጣልያን ኣብ ዝኻየድ አኼባ ሸውዓተ ብኢንዳስትሪ ዝበልጸጋ ሃገራት ጋሻ ኮይኖም ምዕዳሞም ናይ ኢትዮጵያ ቦታን ሚዛንን ክብ ይብል ምህላው ዘርእይ’ዩ ክብሉ ፍሉይ ልዑኽ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር አምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስ ንመሓውራት ዜና እታ ሃገር ገሊጾም።

አቦ መንበር ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ ዝኾኑ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ብወገኖም እዚ ናይ ኢትዮጵያ ሞዕዳም ሎሚ ብዘመነ ኢህወዴግ ዝኾነ ሓድሽ ነገር ዘይኾነ ኢትዮጵያ ካብ ጥንቲ ፍልጥትን ግንንትን ሃገር እያ ኢሎም።

ብመዓረግ ሚኒስተር ናይቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ፍሉይ ልዑኽ አምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስ ንኮርፐረሽን ብሮድካስቲንግ ኢትዮጵያ ከምዝበልዎ እቲ ዕድመ እታ ሃገር ትልወጥ ከምዘላ ዘርእይ መግለጺታት ሓደ እዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያዊ ዶ/ር ቴድሮስ አድሓኖም ንውዱብ ጥዕና ዓለም ዳሬክተር ኮይኖም ምምራጾም ብዝምልከት ዝተዛረቡ አምባሳደር ብርሃነ እታ ሃገር እንተለወጠት ምምጽኣ ዘረጋግጹ ዝበልዎም ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ጽባሕ አብ ጣልያን ዝጅመር አኼባ ሸውዓተ ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ጋሻ ኮይኖም ካብ ዝተዓደሙ ሒደት ሃገራት አፍሪቃ ምኳኖም’ዩ ኢሎም።

እዚ ምዕዳም ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ አኼባ ሃገራት G-7 ብዝምልከት ርእይትኦም ክህቡ ካብ ድምጺ ኣሜሪካ ዝቀረበሎም ሕቶ አቦ መንበር ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ መጀመርያ ንሃልኪ ፕሮፖጋንዳ እንተዘይኾይኑ ኢትዮጵያ ጥራይ ኣይኮነትን ተዓዲማ ድሕሪ ምባል ኢትዮጵያ አፍልጦ ምርካባ ዕብየታ ገና ሎሚ ብዘመነ ኢህወዴግ ዝተረኽበ ኣይኾነን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG